ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር

ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧

ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧

ነዛ እትስዕብ ምልእቲ ሓሳብ ብኸመይ ምመለስካያ፧

ህይወት ብ እዩ መጺኡ።

  1. ፍልቀት

  2. ፍጥረት

ገሊኦም ሰባት፡ ስነ ፍልጠታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ “ብፍልቀት፡” ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኸኣ “ብፍጥረት” ኢሉ ኸም ዚምልስ ገይሮም ይሓስቡ።

እዚ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ቅኑዕ እዩ ማለት ኣይኰነን።

ኣብቲ ኣብ ካናዳ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ማክማስተር ፕሮፌሰር ስነ ህይወት ዝዀነ ራማ ሲንግ፡ “ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ጥራይ ኣይኰኑን ንፍልቀት ዚጻረርዎ፣ ብዙሓት ምሁራት እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ ኽልሰ ሓሳብ ይቃወምዎ እዮም” በለ።

ንጀራርድ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ፕሮፌሰር ስነ ሓሸራ (ብዛዕባ ሓሸራታት ዜጽንዕ ዓውዲ ስነ ፍልጠት) እዩ፣ ኣብ ኮሌጅ ከሎ ድማ፡ ፍልቀት እዩ ተማሂሩ። “ፈተና ኽፍተን ከለኹ፡ መምህራነይ ዚደልይዎ መልሲ እየ ዝህብ ነይረ፣ ኣነ ግና ኣይኣምነሉን እየ ነይረ” በለ።

ገሊኦም ስነ ፍልጠታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ንፍልቀት ከም መበቈል ህይወት ገይሮም ኪርእይዎ ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ንብዙሓት ተመራመርቲ ዜገርማኦም ክልተ ሕቶ እስከ ንርአ፦ (1) ህይወት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧ (2) ህያዋን ነገራት እናማዕበሉ ዝኸዱ ብኸመይ እዮም፧