ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መትረባት ማይ ሮሜ—ዜደንቕ ምህንድስና

መትረባት ማይ ሮሜ—ዜደንቕ ምህንድስና

ካብቲ ጥንቲ እተሰርሐ ኣዝዩ ዓብዪ ውጽኢት ምህንድስና፡ መትረባት ማይ ሮሜ ልዕሊ ዅሉ ዜደንቕ እዩ። ኣመሓዳርን ብዓል መዚ ማይን ሮሜ ዝነበረ ሴክስተስ ዩልዩስ ፍሮንቲኑስ (35–ከባቢ 103 ድ.ክ.)፡ “እቲ ዋላ ሓንቲ ዘይዓዪ ፒራሚዳትን እቲ ኣዝዩ ህቡብ እኳ እንተ ዀነ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ዘይብሉ ህንጻታት ግሪኽን፡ ምስዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ማይ ዜመላልስ መትረብ ኪወዳደር ከሎ፡ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። a

መትረባት ማይ ንምንታይ ኣድለየ፧

ጥንቲ ዝነበራ ኸተማታት፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ እየን ዚህነጻ ነይረን፣ ሮሜ እውን ከምኡ እያ ነይራ። ኣብ መጀመርታ፡ ካብ ሩባ ቲበርን ኣብ ጥቓኡ ኻብ ዝነበረ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዚመጽእ ዝነበረ ማይ እኹል እዩ ነይሩ። ካብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ኣትሒዙ ግና፡ ሮሜ ብቕልጡፍ ስለ ዝዓበየት፡ ጠለብ ማይ እውን ማዕሪኡ ወሰኸ።

ኣብ ቤቶም ማይ ቡምባ ዘለዎም ሰባት ሒደት ስለ ዝነበሩ፡ ሮማውያን ብኣማእታት ዚቝጸር ውልቃውን ህዝቢ ዚጥቀመሉን መሕጸብ ነብሲ ሰርሑ። ነቲ ኣብ ከተማ ሮሜ ንህዝቢ ተባሂሉ እተሰርሐ ናይ መጀመርታ መሕጸብ ነብሲ ዚኸውን ማይ፡ ካብቲ ብ19 ቅ.ክ. ተሰሪሑ እተዛዘመ ኣኳ ቪርጎ ዚብሃል መትረብ ማይ ይመጽእ ነበረ። ነዚ መትረብ እዚ ዝሰርሖ፡ እቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ቄሳር ኣውጉስጦስ ዝነበረ ማርከስ ኣግሪጳ እዩ ነይሩ፣ ንምንጪ ማይ ሮሜ ኣብ ምሕዳስን ኣብ ምስፋሕን ድማ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ኣውጺኡ።

እቲ መሕጸብ ነብሲ፡ ህዝቢ ዚእከበሉ ቦታ እውን ኰነ፣ እቲ ዓበይቲ መሕጸብ ነብሲ እሞ ኸኣ፡ መናፈሻን ኣብያተ መጻሕፍትን እውን ነበሮ። ካብቲ መሕጸብ ነብሲ ዚወጽእ ዝነበረ ማይ ብቐጻሊ ስለ ዚፈስስ፡ ናብ መትረብ ርስሓት ብምእታው፡ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ጐሓፍ የጽርዮ ነበረ፣ ካብቲ ኣብ ጥቓ መሕጸብ ነብሲ ዝነበረ ሽቓቕ ንዚወጽእ ጐሓፍ እውን ይወስዶ ነበረ።

ህንጸትን ጽገናን

“መትረባት ማይ ሮሜ” ዚብላ ቓላት ክትሰምዕ ከለኻ፡ ኣዝዩ ነዊሕን ዓብዪን ቀስታዊ ቕርጺ ድዩ ናብ ኣእምሮኻ ዚመጸካ፧ እቲ ዜገርም፡ ካብ ብምሉኡ እቲ መትረብ፡ ትሕቲ 20 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ቐስታዊ ቕርጺ ነይርዎ፣ እቲ ዝዓበየ ኽፋሉ ኣብ ትሕቲ መሬት እዩ ዚርከብ። ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ፡ ነቲ መትረባት ካብ ምብሕጓጕ የዕቍቦ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ እቲ መትረባት ኣብ ልዕሊ ቦታታት ሕርሻን ኣባይቲ እቶም ተቐማጦን ዜውርዶ ጽልዋ እውን ይንክዮ ነበረ። ንኣብነት፡ እቲ ብ140 ቅ.ክ. እተዛዘመ ኣኳ ማርኪያ፡ ንውሓቱ ኣስታት 92 ኪሎ ሜተር እዩ ነይሩ፣ እቲ ቐስታዊ ቕርጹ ግና ዳርጋ 11 ኪሎ ሜተር ጥራይ እዩ ነይሩ።

መሃንድሳት፡ መትረብ ማይ ቅድሚ ምህናጾም፡ እቲ ኸም ምንጪ ዀይኑ ዜገልግል ማይ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ይምርምሩ ነበሩ፣ እዚ ኸኣ፡ ናይቲ ማይ ጽሬት፡ ንኺውሕዝ ዘለዎ ሓይሊ፡ ከምኡ እውን ጣዕሙ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንዅነታት ጥዕና እቶም ካብቲ ማይ ዚሰትዩ ዝነበሩ ሰባት ይምርምርዎ ነበሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ መትረብ ማይ ንኺህነጽ ምስ ተወሰነ፡ ቀየስቲ ንቕኑዕ ኣንፈት እቲ መትረብ ማይ ይግምግሙ፣ እቲ መትረብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚቐንን፡ ከምኡ እውን ዓቐኑን ንውሓቱን ክንደይ ከም ዚኸውን ይውስኑ። ድሕሪኡ፡ ባሮት ነቲ መትረብ ኪሃንጽዎ ይጅምሩ። መትረብ ማይ ንኺዛዘም ነዊሕ ዓመት ኪወስድ ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ብላዕሊ ቐስታዊ ቕርጺ ኺግበሮ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ዚወስዶ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብኡ ዚውዕል ገንዘብ እውን ብዙሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ኪጽገንን ኪሕሎን ኣለዎ። ሓደ እዋን ኣብ ከተማ ሮሜ፡ ነቲ መትረብ ማይ ንምክንኻን ኣስታት 700 ዓየይቲ ተቘጽሩ። እቲ መትረባት ማይ ንጽገና ብዚጥዕም መገዲ እዩ ዚንደፍ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዚቕበር ክፋል መትረባት ማይ፡ ሰብ ዜእቱ ነዃላትን ጐዳጕድን ነበሮ። ዓብዪ ጽገና ኼድሊ ኸሎ፡ መሃንድሳት ነቲ ማይ ካብቲ ጽገና ዜድልዮ ኽፋል ብቐሊሉ ኣንፈቱ ኬቐይርዎ ይኽእሉ ነበሩ።

መትረባት ማይ ከተማ ሮሜ

ኣብ መጀመርታ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣብ ከተማ ሮሜ 11 ዓበይቲ መትረብ ማይ ነበረ። እቲ ፈለማ ብ312 ቅ.ክ. እተሰርሐ ኣኳ ኣጵያ፡ ልዕሊ 16 ኪሎ ሜተር ንውሓት ነበሮ፣ ዳርጋ ብምሉኡ ግና ኣብ ትሕቲ መሬት እዩ ነይሩ። እቲ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብኸፊል ኪርአ ዚኽእል ኣኳ ክላውድያ ድማ፡ ርሕቀቱ ኣስታት 69 ኪሎ ሜተር እዩ ነይሩ፣ 10 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ቐስታዊ ቕርጺ ኸኣ ነበሮ፣ መብዛሕትኡ ኻብዚ ቕርጺ እዚ ድማ፡ 27 ሜተር ዝቝመቱ እዩ ነይሩ።

እቲ መትረባት ክንደይ ዚኣክል ማይ እዩ ኺሕዝ ዚኽእል ነይሩ፧ ኣዝዩ ብዙሕ። ንኣብነት፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣኳ ማርኪያ፡ በብመዓልቱ ኣስታት 190 ሚልዮን ሊትሮ ማይ ናብ ሮሜ የእቱ ነበረ። እቲ ማይ ብስሕበት እናተደፍአ ኣብ ከተማ ምስ በጽሐ፡ ናብ ዓብዪ መዋህለሊ ይኣቱ እሞ፡ ድሕሪኡ ብእተፈላለየ መስመር ኣቢሉ ናብ ንኣሽቱ መዋህለሊ ወይ ከኣ ናብቲ እቲ ማይ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕለሉ ቦታ ይኸይድ ነበረ። ገሊኡ ገምጋም ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ተጠቀምቲ ማይ ስለ ዝወሰኹ፡ በብመዓልቱ ንነፍሲ ወከፍ ተቐማጢ ልዕሊ 1,000 ሊትሮ ማይ ይበጽሖ ነበረ።

ሮማን ኣኲዳክትስ ኤንድ ዋተር ሳፕላይ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ “እቲ መትረባት ማይ እውን ሮማውያን ናብ ዝኸድዎ ዘበለ ይኸይድ ነበረ።” ናብ ሰሜን ኣፍሪቃን ናብ ስጳኛን ናብ ንእሽቶ እስያን ናብ ፈረንሳን ዚኸዱ በጻሕቲ፡ ነቲ ጥንቲ እተሰርሐ ኣዝዩ ዓብዪ ውጽኢት ምህንድስና ኺርእይዎ ይኽእሉ እዮም።

a ንፈለማ እዋን መትረብ ማይ ዝሃነጹ፡ ሮማውያን ኣይኰኑን። ካባታቶም ኣቐዲሞም፡ ጥንታውያን ህንዳውያንን ኣሶራውያንን ግብጻውያንን ፋርሳውያንን እውን መትረባት ማይ ሃኒጾም እዮም።