ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ክንፊ እቲ ሃምፕባክ ዚብሃል ዓሳ ኣንበሪ

ክንፊ እቲ ሃምፕባክ ዚብሃል ዓሳ ኣንበሪ

እቲ ሃምፕባክ ዚብሃል ዓሳ ኣንበሪ እኹል ምስ ኰነ፡ ግዝፉን ክብደቱን ካብ ናይ ከተማ ኣውቶቡስ ንላዕሊ እዩ ዚኸውን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ገዚፍ መጥበዊ እዚ፡ ብቐሊሉ እዩ ንታሕቲ ዚንቈትን ዚጥወን። ክንድዚ ፈጣን ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ብእተወሰነ ኣብቲ ሓባጥ መባጥ ዘለዎ ኽንፉ እተመርኰሰ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መብዛሕትኦም ዓሳ ኣንበሪን ካልኦት ኣብ ማይ ዚነብሩ ዓሳን፡ ጫፉ ልሙጽ ዝዀነ ኽንፊ እዩ ዘለዎም። እቲ ሃምፕባክ ዚብሃል ዓሳ ኣንበሪ ግና እተፈልየ እዩ። ኣብ ጫፋት ክንፉ፡ ትዩበርክልስ ዚብሃል ዓበይቲ ሓባጥ መባጥ ኣለዎ። ኪሕምብስ ከሎ፡ እቲ ዓበይቲ ሓባጥ መባጥ ነቲ ማይ ስለ ዚስንጥቖ፡ ኣብቲ ውሽጢ ማይ ሓያሎ ሞገድ ይፍጠር እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ሓባጥ መባጥ ዘለዎ ኽንፉ ነቲ ማይ ብምምቃል ንእሽቶ ማዕበል ከም ዚህሉ ይገብር እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዓሳ ኣንበሪ ብዝያዳ ንላዕሊ ሓፍ የብሎ፣ ነቲ ኣኽናፉ ብሰያፍ ብምግባር ድማ ደው ከይበለ ንላዕሊ ገጹ ኺውርወር ይኽእል እዩ። ንውሓት ነፍሲ ወከፍ ክንፉ ኽንዲ ሓደ ሲሶ ንውሓት ሰብነቱ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣብ ኣኽናፉ ዘሎ ሓባጥ መባጥ፡ በቲ ማይ ንድሕሪት ንኸይጕተት እውን ይሕግዞ እዩ።

ተመራመርቲ ነዚ መስርሕ እዚ ተጠቒሞም፡ ብዝያዳ ኣስላጢ ዝዀነ መቕዘፍ ጃልባን ናይ ማይ ተርባይንን መዘወር ንፋስን ናይ ሄሊኮፕተር መቕዘፍን ይሰርሑ ኣለዉ።

እንታይ ይመስለካ፧ ክንፊ እቲ ሃምፕባክ ዚብሃል ዓሳ ኣንበሪ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧