ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መላእኽቲ ብሓቂዶ ኣለዉ እዮም፧ ስለምንታይከ የገድሰና፧

እኩያት መላእኽቲ ኣለዉዶ፧

እኩያት መላእኽቲ ኣለዉዶ፧

እወ፡ እኩያት መላእኽቲ ኣለዉ። ካበይ እዮም ግና መጺኦም፧ ኣምላኽ ንመላእኽቲ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ ኸም ዝፈጠሮም ዘክር። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ዚፍጠሩ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ፍጹም መንፈሳዊ ፍጡር ንናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብዘይግቡእ ብምጥቃም ኣብ ምድሪ ዕልወት ኣለዓዓለ። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ከም ዚዓልዉ ኣብ ምግባር ድማ ተዓወተ። (ዘፍጥረት 3:1-7፣ ራእይ 12:9) እዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ቕድሚ ምዕላዉ፡ ስሙ መን ከም ዝነበረ ወይ ኣብ ሰማይ እንታይ መዓርግ ከም ዝነበሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተገልጸን። ድሕሪ ምዕላዉ ግና፡ ሰይጣን፡ ማለት “ተጻራሪ፡” ከምኡ ድማ ድያብሎስ፡ ማለት “ሓማዪ” ወይ “መካፍኢ” ብዚብል ንዕኡ ዚግባእ ስም ተጸዊዑ ኣሎ።—ማቴዎስ 4:8-11

እቲ ዜሕዝን፡ እቲ ዕልወት በዚ ኣየብቅዐን። ብዘመን ኖህ ቍጽሮም ዘይተገልጸ መላእኽቲ ኣብ ሰማያዊ ስድራ ቤት ኣምላኽ ዝነበሮም ‘መንበሪኦም ሓደጉ።’ እተፈጥሩሉ ዕላማ ስሒቶም፡ ብዕሉግን ርኹስን መገዲ ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ስጋ ለቢሶም ናብ ምድሪ መጹ።—ይሁዳ 6፣ ዘፍጥረት 6:1-4፣ 1 ጴጥሮስ 3:19, 20

እዞም እኩያት መላእኽቲ እዚኦም ድሕሪኡ እንታይ እዮም ኰይኖም፧ ኣምላኽ ንምድሪ ምእንቲ ኼጽርያ ማይ ኣይሂ ምስ ኣዝነመ፡ ስጋኦም ቀንጢጦም ናብ መንፈሳዊ ዓለም ተመልሱ። ግናኸ፡ ኣምላኽ ነዞም ዓለወኛታት መላእኽቲ ናብ “ቦታኦም” ኪምለሱ ኣይፈቐደሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጦርጦስ ኣብ ዚብሃል “ድቕድቕ [መንፈሳዊ] ጸልማት” ዝዀነ እተዋረደ ዅነታት ከም ዚሕጸሩ ገበሮም። (ይሁዳ 6፣ 2 ጴጥሮስ 2:4) እዞም ኣጋንንቲ እዚኦም ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ “ንርእሱ ኸም መልኣኽ ብርሃን [ዜ]ምስል” “ሓለቓ ኣጋንንቲ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኣእትዮምዋ እዮም።—ማቴዎስ 12:24፣ 2 ቈረንቶስ 11:14

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነት መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ከም እተመስረተት ይምህር እዩ። * ድሕርዚ ኣገዳሲ ፍጻመ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ተሰጒጎም ኣብ ከባቢ ምድሪ ጥራይ ተሓጽሩ። እዚ ኣብ ምድርና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እከይን ርኽሰትን ከኣ ናይዚ መርትዖ እዩ።—ራእይ 12:9-12

እከይን ዜስካሕክሕ ዓመጻን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ግና እቲ ራዕዲ ዝመልኦ ግዝኣቶም መወዳእታኡ ኸም ዝቐረበ ዜረጋግጽ እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ እዞም ጨቈንቲ መንፈሳውያን ፍጡራት እዚኦም ጽልዋኦም ኬብቅዕ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ን1,000 ዓመት ምስ ገዝአት፡ እዞም እኩያት መናፍስቲ ንደቂ ሰብ ኪፍትኑ ሓጺርን ናይ መወዳእታን ኣጋጣሚ ኺውሃቦም እዩ። ድሕሪኡ፡ ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።—ማቴዎስ 25:41፣ ራእይ 20:1-3, 7-10

^ ሕ.ጽ. 6 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ። ኣብ www.jw.org/ti እውን ትርከብ እያ።