ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኤሊያስ ሃተር ዘዳለዎ ንኡድ መጽሓፍ ቅዱሳት እብራይስጢ

ኤሊያስ ሃተር ዘዳለዎ ንኡድ መጽሓፍ ቅዱሳት እብራይስጢ

መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እብራይስጢ ኸተንብብ ትኽእልዶ፧ ምናልባት ኣይትኽእልን ትኸውን። ምናልባት እውን መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ እኳ ርኢኻ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ ኤሊያስ ሃተር ዚብሃል ኣብ መበል 16 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ምሁርን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዘሕተሞ ኽልተ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጥን እተወሰነ ነገራት እንተ ፈሊጥካ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስካ ዘሎካ ሞሳ ኺዓዝዝ ይኽእል እዩ።

ኤሊያስ ሃተር ብ1553 ጎርሊትስ ኣብ እትብሃል ጥቓ እቲ ሎሚ ንጀርመን ምስ ፖላንድን ሪፓብሊክ ቸክን ዜራኽብ ዶብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እዩ ተወሊዱ። ሃተር ኣብ ሉተራዊ ዩኒቨርሲቲ የና፡ ቋንቋታት ሃገራት ምብራቕ ኣጽኒዑ እዩ። ገና ዕድሚኡ 24 ዓመት ከይኣኸለ ኸሎ፡ ኣብ ላይፕሲክ ፕሮፌሰር እብራይስጢ ዀነ። ኣብ ትምህርቲ ለውጢ የተኣታቱ ኸም ምንባሩ መጠን፡ ጸኒሑ ኣብ ኑረምበርግ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት እብራይስጥን ግሪኽኛን ላቲንን ጀርመንኛን ክትፈልጠሉ ዚከኣል ቤት ትምህርቲ መስረተ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲ ኸምዚ ኺግበር ዘይከኣል እዩ ነይሩ።

“ጽባቐ እዚ ሕታም እዚ”

ኣርእስቲ ዝሓዘ ገጽ እቲ ሃተር ብ1587 ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ

ብ1587 ሃተር ብእብራይስጢ ዘዳለዎ ሕታም እቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ዚብሃል ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕተመ። ስም እዚ ሕታም እዚ ኻብ ኢሳይያስ 35:8 እተወስደ ዀይኑ፡ ደረክ ሃ-ኮደሽ፡ ማለት “መገዲ ቕድስና” ዚብል እዩ። ሳላ እቲ ውቁብ ቅርጺ ፊደላቱ፡ “ኵሉ ነገር ጽባቐ እዚ ሕታም እዚ ዜርኢ እዩ” ተባሂሉሉ እዩ። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብፍላይ ኣገዳሲ ዚገብሮ ግና እብራይስጢ ኽትምሃረሉ ዜኽእል ውጽኢታዊ ንዋት ጌርካ ኽትጥቀመሉ ዚከኣል ምንባሩ እዩ።

እቲ ሃተር ብእብራይስጢ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ሓጋዚ ዝነበረሉ ምኽንያት ምእንቲ ኺርድኣና፡ ሓደ ተምሃራይ ንመጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ኼንብብ ምስ ፈተነ ዜጋጥሞ ዝነበረ ኽልተ ብድሆ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ዘይፈልጦ ሓድሽ ፊደላት እዩ ዜጓንፎ ነይሩ። ካልኣይ ድማ፡ እቲ ምስኡ ጠቢቑ ዚጽሓፍ ቅድመ ጥብቆን ድሕረ ጥብቆን፡ ነቲ ሱር ቃል ንምፍላጡ ኣሸጋሪ እዩ ዚገብሮ። ንኣብነት፡ ነታ “ነፍሲ” ዝትርጉማ נפשׁ (ነፈሽ እትንበብ) ናይ እብራይስጢ ቓል እስከ ንርአ። ኣብ ህዝቅኤል 18:4 ነዛ ቓል እዚኣ፡ “እታ” ዝትርጉማ ה (እትንበብ) ቅድመ ጥብቆ ኣትይዋ ኣሎ። በዚ ኸኣ “እታ ነፍሲ” ተባሂላ እትትርጐም הנפשׁ (ሃነፈሽ እትንበብ) ቃል ተቕውም። ምስዚ ኣጸሓሕፋ እዚ ሌላ ዘይብሉ ሰብ፡ הנפשׁ (ሃነፈሽ) ካብ נפשׁ (ነፈሽ) ኣዝያ እተፈልየት ቃል ገይሩ ኺሓስባ ይኽእል እዩ።

ሃተር ንተምሃሮኡ ንምሕጋዝ ውሕሉል ሜላ ሕትመት፡ ማለት ክልተ እተፈላለየ መልክዕ ፊደላት እብራይስጢ ተጠቕመ። ሱር ቃል ንዘበለ ድሙቕ ብዝትርኢቱ ፊደላት ኣሕተሞ። ንቕድመ ጥብቆን ድሕረ ጥብቆን ድማ ብቐጠንቲ ሕንጻጻት ብእተጻሕፈ ፊደላት ኣሕተሞ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ተምሃሮ ንሱር ሓንቲ ናይ እብራይስጢ ቓል ብቐሊሉ ኼለልዩ፡ በዚ ኣቢሎም ከኣ ነቲ ቛንቋ ኺፈልጥዎ ሓጊዝዎም እዩ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ (እንግሊዝኛ) እውን ኣብ እግረ ጽሑፋቱ ተመሳሳሊ ዝዀነ ግብራዊ ሜላ ይጥቀም እዩ። * ኣብኡ እቲ ሱር ቃል ብድሙቕ ፊደላት ኪጽሓፍ ከሎ፡ ቅድመ ጥብቆን ድሕረ ጥብቆን ድማ ብተራ ፊደላት ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ጐሊሑ ዘሎ ኽፋል እቲ ስእልታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብቲ ሃተር ብእብራይስጢ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ኣብ ህዝቅኤል 18:4 ዘሎ ቕርጺ ፊደላትን ነቲ ትርጉም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ ኣብ እግረ ጽሑፍ እታ ፍቕዲ እቲኣ ተጠቒሙሉ ዘሎ ኣጸሓሕፋ ፊደላትን የርኢ።

ብእብራይስጢ እተዳለወ “ሓድሽ ኪዳን”

ሃተር ብ12 ቛንቋ እተዳለወ እቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ዚብሃል ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣሕቲሙ እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሐ ቛንቋ ኑረምበርግ ተባሂሉ ዚፍለጥ ሕታም እዚ፡ ብ1599 ኣብ ኑረምበርግ ተዘርግሐ። ሃተር ብእብራይስጢ እተተርጐመ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እውን ኣብዚ ኺጽምብሮ ደልዩ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጉም እብራይስጢ ንምርካብ ‘ብዙሕ ገንዘብ ኪኸፍል ፍቓደኛ እኳ እንተ ዀነ፡’ ኪረክብ ከም ዘይከኣለ ገለጸ። * ስለዚ፡ ንሓድሽ ኪዳን ካብ ግሪኽኛ ናብ እብራይስጢ ባዕሉ ኺትርጕሞ ወሰነ። ሃተር ካልእ ሓላፍነታት እኳ እንተ ነበሮ፡ ነዚ ትርጉም እዚ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓመት ጥራይ ወድኦ።

እቲ ሃተር ዘዳለዎ ብእብራይስጢ እተተርጐመ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ጽቡቕ ነይሩ፧ ኣብ መበል 19 ዘመን ፍሉጥ ናይ እብራይስጢ ምሁር ዝነበረ ፍራንዝ ደሊትሽ ብዛዕባኡ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብተደጋጋሚ ቕኑዕ ቃላት ብልክዕ ይመርጽ ብምንባሩ፡ እቲ ንሱ ዘዳለዎ ትርጉም እብራይስጢ ኣብ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ዘየሎ ፍልጠት እቲ ቛንቋ ኸም ዝነበሮ የርኢ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ጠቓሚ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ።”

ነባሪ ጽልዋ

ሃተር ሕታማቱ ብዙሕ ስለ ዘይተሸጠ፡ በቲ ዕዮ ትርጉም ኣይሃብተመን። ይኹን እምበር፡ ዕዮኡ ኣገዳስን ነባርን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ብእብራይስጢ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን፡ ብ1661 ብዊልያም ሮበርትሰን፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብ1798 ብሪቻርድ ካዲክ ተኸሊሱን እንደገና ተሓቲሙን እዩ። ሃተር ካብቲ በዅሪ ግሪኽኛ ኺትርጉም ከሎ፡ ሓንቲ ጥቕሲ ብቐጥታ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተጠቕሰት እንተ ዀይና ወይ ከኣ ንየሆዋ እተመልክት ኰይና እንተ ተሰሚዓቶ፡ ነቲ ኪሪዮስ (ጐይታ) ከምኡ ድማ ቴኦስ (ኣምላኽ) ዚብል መዓርጋት፡ “የሆዋ” (יהוה፡ የሀወሀ) ኢሉ ብልክዕ ተርጒምዎ ኣሎ። ሓያሎ ትርጉማት ሓዲሽ ኪዳን ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዘይጥቀም እኳ እንተ ዀነ፡ ሃተር ዘዳለዎ ትርጉም ግና ንስም ኣምላኽ ብምጥቃሙ፡ እዚ ስም እዚ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ናብ ቦታኡ ኺምለስ ግቡእ ምዃኑ ተወሳኺ መርትዖ ዀይኑ እዩ።

ኣብ ዚቕጽል እዋን፡ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ወይ ኣብ እግረ ጽሑፍ ትርጉም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ (እንግሊዝኛ) ኽትርኢ ኸለኻ፡ ንዕዮ ኤሊያስ ሃተርን ነቲ ንሱ ዘዳለዎ ንኡድ መጽሓፍ ቅዱሳት እብራይስጥን ዘክሮ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ (እንግሊዝኛ) ካብተን ኣብ ህዝቅኤል 18:4 ዘለዋ እግረ ጽሑፋት ነታ ኻልአይቲ፣ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ከኣ 3ለ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ምሁራት ኣቐዲሞም ብእብራይስጢ እተተርጐመ ሓድሽ ኪዳን ኣዳልዮም ነይሮም እዮም። ሓደ ኻባታቶም ሲሞን ኣቶማኖስ ዝስሙ ኣብ ከባቢ 1360 ዚነብር ዝነበረ ቢዛንትዩማዊ ፈላሲ እዩ። ካልእ ድማ ኦስቫልት ሽረከንፉክስ ዝስሙ ኣብ ከባቢ 1565 ዚነብር ዝነበረ ጀርመናዊ ምሁር ኪጥቀስ ይከኣል። እዚ ትርጉማት እዚ ግና ፈጺሙ ኣይተሓትመን። ሕጂ ድማ ጠፊኡ እዩ።