ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚሞተካ

ንሓዘንካ ኽትክእሎ ዚሕግዘካ ነገራት

ንሓዘንካ ኽትክእሎ ዚሕግዘካ ነገራት

ንሓዘንካ ኽትክእሎ ብዛዕባ ዚሕግዘካ ነገራት ብዙሕ ምኽሪ ትርክብ ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ኵሉ ዚጠቅም እዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ከይትበኪ ወይ ስምዒትካ ኸይትገልጽ ይመኽሩካ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ክትበክን ኵሉ ስምዒትካ ኽትገልጽን ይደፋፉኡኻ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ሚዛናዊ ምኽሪ እዩ ዚህብ፣ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ እውን ዚድግፎ እዩ።

ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይ እንተ በኽዩ፡ ሰብኣይ ከም ዘይኰነ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምንባዕ ዜሕፍር ድዩ፧ ክኢላታት ጥዕና ኣእምሮ፡ ኣብ ግዜ ሓዘን ምንባዕ ባህርያዊ ምዃኑ እዮም ዚዛረቡ። ምንባዕን ስምዒትካ ምግላጽን በብቝሩብ ንሓዝንካ ክትጻወሮ ይሕግዘካ እዩ። ንስሚዕትካ ምዕባጥ ግና ይጐድእ እምበር ኣይጠቅምን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ምብካይ ናይ ሰብኡት ከም ዘይኰነ ወይ ከኣ ጌጋ ኸም ዝዀነ ኣይምህርን እዩ። ንኣብነት፡ ንየሱስ እሞ ንርአ። የሱስ፡ እቲ ዚፈትዎ ዓርኩ ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ ካብ ሞት ኬተንስኦ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እኳ እናፈለጠ፡ ብሞቱ ኣብ ቅድሚ ሰባት ነቢዑ እዩ።—ዮሃንስ 11:33-35

መብዛሕትኡ ግዜ ሞት ሰብና፡ ብሕልፊ ኸኣ ሃንደበታዊ ሞት የሕርቐና እዩ። ንሓደ ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብ ኬሕርቖ ዚእኽል ብዙሕ ነገራት ኣሎ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ እቲ ኻብ ዜኽብሮም ሰባት ዚውሃቦ ሓልዮት ዘይብሉን መሰረት ዘይብሉን ርእይቶታት እዩ። ማይክ ዚብሃል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰብኣይ፡ “ኣቦይ ኪመውት ከሎ ወዲ 14 ዓመት እየ ነይረ። ኣብ ቀብሪ ኸለና ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኣንግሊካን፡ ኣምላኽ ነቶም ጥዑያት ሰባት ስለ ዚደልዮም ቀልጢፉ ኸም ዚወስዶም ተዛረበ። * እዚ ንዓይ ብዙሕ እዩ ኣሕሪቑኒ፡ ምኽንያቱ ኣቦና ናይ ብሓቂ የድልየና ነይሩ እዩ። ሕጂ፡ ድሕሪ 63 ዓመት እውን እቲ ዘረባ እቲ ይጐድኣኒ እዩ” ይብል።

ብዛዕባ ናይ ጸጸት ስምዒትኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ሃንደበታዊ ሞት ምስ ዜጋጥም እቲ ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብ፡ ‘ከምዚ እንተ ዝገብር ነይረ፡ እዚ ዀይኑ ዘሎ ኣይመጋጠመን ነይሩ’ ኢሉ ብተደጋጋሚ ይሓስብ ይኸውን እዩ። ምናልባት ድማ ኣብታ ምስቲ ዝሞተ ሰብ ንመወዳእታ እተራኸብካላ ግዜ፡ ምስቲ ሰብ ተቛይቝካ ኔርካ ትኸውን፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ጸጸት ስምዒት የጋድዶ እዩ።

ምስ ከም ጸጸትን ሕርቃንን ዝኣመሰለ ስምዒታት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ነዚ ስምዒታትካ ኣይትዕበጦ። የግዳስ፡ ጽን ኢሉ ሰሚዑ፡ ብዙሓት ሐዘን ዘጋጠሞም ሰባት ከምዚ ኸም ዚስምዖም ንዜረጋግጸልካ ፈታዊኻ ንገሮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 17:17

ኣብ ሓዘን ንዘሎ ሰብ፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ዓርኪ ኪዀኖ ዝኽእል ግና እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ንሱ፡ ‘ይሓልየልካ’ እዩ እሞ፡ ብጸሎት ኣቢልካ ኣብ ልብኻ ዘሎ ኣፍስሰሉ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቶም ከምኡ ዚገብሩ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ከም ዜጸናንዖም ቃል ኣትዩ እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) ኣምላኽ በቲ ዜጸናንዕ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኺሕግዘካ እውን ፍቐደሉ። ዜጸናንዕ ጥቕስታት ጽሓፍ። (ነታ ኣብዚ ዘላ  ሳጹን ርአ።) ምናልባት ንገሊአን ጥቕስታት ብቓልካ ኽትወጸን ትደሊ ትኸውን። ከምዚ ምግባርካ ምሸት ምሽት ጽምዋ ኺስምዓካን ድቃስ ኪኣብየካን ከሎ፡ ብዛዕባ እተን ጥቕስታት ምስትንታን ኪሕግዘካ ይኽእል ይኸውን እዩ።—ኢሳይያስ 57:15

ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ጃክ ኢልና እንጽውዖ፡ ወዲ 40 ዓመት ዝዀነ ሓደ ሰብኣይ፡ ዚፈትዋ ሰበይቱ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ሞተቶ። ጃክ ሓድሓደ ግዜ ብጽምዋ ኸም ዚብላዕ ይገልጽ። እንተዀነ ግና፡ ጸሎት ሓጊዝዎ እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ድማ ይብል፦ “ናብ የሆዋ ምስ ዝጽሊ፡ በይነይ ከም ዝዀንኩ ኣይስምዓንን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ለይቲ እበራበር እሞ ተመሊሰ ኸኣ ክድቅስ ኣይክእልን እየ። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ምስ ኣስተንተንኩሉን ብጸሎት ኣቢለ ናይ ልበይ ምስ ኣውጻእኩን ግና፡ እሃድእ፡ ሰላም እረክብ፡ ኣእምሮእይን ልበይን ይዓርፍ፡ ድቃስ ድማ ይወስደኒ።”

ቫኔሳ እትብሃል ሓንቲ መንእሰይ፡ ኣዲኣ ሓሚማ እያ ሞይታታ። ቫኔሳ እውን ጸሎት ሓይሊ ኸም ዘለዎ ብተመክሮ ኸም ዝረኣየት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋናት፡ ስም ኣምላኽ ጸዊዐ እበኪ ነይረ። የሆዋ ድማ ጸሎተይ ሰሚዑ ዜድልየኒ ሓይሊ ይህበኒ ነይሩ” ትብል።

ገሊኦም ክኢላታት ኣማኸርቲ ሓዘንተኛታት፡ ዝሓዘኑ ሰባት ንኻልኦት ኪሕግዙ ወይ ድማ ኣብ እተወሰነ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኪሳተፉ ይመኽሩ እዮም። ከምዚ ምግባሮም ሓጐስ ኬምጽእሎምን ሓዘኖም ኬፍኵሰሎምን ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ብዙሓት ሓዘን ዘጋጠሞም ክርስትያናት ንኻልኦት ኪሕግዙ ምጽዓሮም ብዙሕ ኣጸናኒዕዎም እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4

^ ሕ.ጽ. 5 እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ዚመውት ብሰንኪ ሰለስተ ነገራት ምዃኑ እዩ ዚገልጽ።—መክብብ 9:11፣ ዮሃንስ 8:44፣ ሮሜ 5:12