ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸሎት ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧

ጸሎት ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧

ፓሜላ ኸቢድ ሕማም ምስ ኣጋጠማ፡ ሕክምናዊ ደገፍ ክትረክብ ጽዒራ እያ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዘጋጠማ ዅነታት ክትጻወሮ፡ ሓይሊ ኺህባ ናብ ኣምላኽ ጸልያ እያ። እሞኸ፡ ጸሎት ሓጊዝዋ ድዩ፧

ፓሜላ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ንመንሽሮይ ሕክምና ኺግበረለይ ከሎ፡ ኣዝየ እየ ዝፈርህ ነይረ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክጽሊ ኸለኹ ግና፡ ውሽጣዊ ህድኣትን ቅሳነትን ይስምዓኒ ነይሩ። ብዙሕ ቃንዛ እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ጸሎት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽሕዝ ሓጊዙኒ እዩ። ሰባት ከመይ ከም ዚስምዓኒ ኺሓትቱኒ ኸለዉ፡ ‘ደሓን ኣይኰንኩን፡ ግና ሕጕስቲ እየ’ እየ ዝብሎም።”

ንኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርቦ ግና ከቢድ ሕማም ክሳዕ ዜጋጥመና ኽንጽበ ኣየድልየናን እዩ። ኵላትና ኸቢድን ቀሊልን ብድሆታት የጋጥመና እዩ። ክንዋጽኣሉ ኸኣ ሓገዝ ከም ዜድልየና ዀይኑ ይስምዓና እዩ። እሞኸ፡ ጸሎት ኪሕግዘና ይኽእል ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ” ይብል። (መዝሙር 55:22) እዚ ሓሳብ እዚስ፡ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ስለዚ እምበኣር፡ ጸሎት ብኸመይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧ በቲ ግቡእ መገዲ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኸለኻ፡ ንብድሆታትካ ኽትዋጽኣሉ፡ ዜድሊ ደገፍ ኪህበካ እዩ። “ ጸሎት ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።