ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንጸሎትካ ይሰምዖ ድዩ፧

ኣምላኽ ንጸሎትካ ይሰምዖ ድዩ፧

ክትጽሊ ኸለኻ፡ ኣምላኽ ብሓቂ ዚሰምዓካዶ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

  • ኣምላኽ ይሰምዓካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡ ንዅሎም እቶም ብሓቂ ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ። . . . ኣውያቶም ይሰምዕ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—መዝሙር 145:18, 19

  • ኣምላኽ ናብኡ ኽትጽሊ ይደልየካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” ብምባል ይዕድመና እዩ።—ፊልጲ 4:6

  • ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ ዜጨንቐናን ዜሻቕለናን ነገራት ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ኪሕግዘና ኸኣ ይደሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ይብል።—1 ጴጥሮስ 5:7