ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1 ካብ ጸገማት ክትርሕቕ ይሕግዝ

1 ካብ ጸገማት ክትርሕቕ ይሕግዝ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ምኽሪ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ፡ ‘ንምምሃርን ንምግናሕን ንምቕናዕን ከኣ ዚጠቅም’ ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ኣምላኽ ንገሊኦም ሰባት፡ ከቢድ ጸገማት ኣብ ህይወቶም ሱር ከይሰደደ ኸሎ ኻብኡ ኺርሕቁ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እስከ ርአ።

ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ

እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ደልፊን፡ ጭንቀታ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ኽትሰቲ ይደፋፍኣ ኸም ዝነበረ ኣስተውዓለት። መጽሓፍ ቅዱስ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ኣይኵንንን እዩ፣ ግናኸ፡ “ካብቶም ብዙሕ ወይኒ ዚሰትዩ . . . ኣይትኹን” ይብል እዩ። (ምሳሌ 23:20) ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ምስታይ ጠንቂ ኸቢድ ጸገማት ጥዕናን እተበላሸወ ርክባትን በብዓመቱ ዜጋጥም ሞት ሚልዮናት ሰባትን ከም ዝዀነ ይግለጽ እዩ። ሰባት ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ እንተ ዚስዕብዎ፡ ካብዚ ብዙሕ ጸገማት እዚ ኺርሕቁ ምኸኣሉ ነይሮም።

ደልፊን ከምኡ እያ ገይራ። ሕጂ ኸምዚ ትብል፦ “ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንጭንቀተይ ይፈትሖ ኸም ዘይነበረ ተገንዚበ። ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዚርከብ፡ “ልማኖኹም . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኣውዒለዮ እየ። ለይቲ ሓሳባተይ ምዕራፍ ኪኣብየንን ጭንቀተይ ኪውስኽን ከሎ ንየሆዋ ይልምኖ ነይረ። ብዛዕባ እቲ ዚስምዓኒ ዝነበረ ኸም ሕርቃንን ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ዝኣመሰለ ስምዒታት እነግሮ፡ ዝያዳ ኣወንታዊ ስምዒታት ከም ዚስምዓኒ ዚገብር መገድታት ክረክብ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ድማ ናብኡ እምህለል ነይረ። ንግሆ ኸኣ ነዚ ስምዒታት እዚ ብሓቂ ኣርሒቐዮ እንተ ዀይነ አረጋግጽ ነይረ። እዚ ልማድ እዚ፡ ኣብቲ ዘሎኒ እምበር፡ ኣብቲ ዘይብለይ ንኸየተኵር ሓጊዙኒ እዩ። መሊሰ ኣልኮላዊ መስተ ኸይሰቲ ድማ ወሲነ። እቲ ዝረኸብክዎ ሰላም ብዋጋ ዘይሽነን ስለ ዝነበረ፡ እንደገና ኽስእኖ ኣይደለኹን።”

ምንዝርና

ምንዝርና ልቢ ዚሰብርን ምንጪ ብዙሕ ጸበባን እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ናብዚ ኺመርሕ ብዛዕባ ዚኽእል ነገራት ምኽሪ ብምሃብ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ክንርሕቕ ይሕግዘና እዩ። ገለ ኻብዚ ነገራት እዚ፡ ምኵሻምን ስእለ ጽዩፍ ምርኣይን እዩ። ሳሙኤል ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ከኳሽም ቀሊል እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዙሕ ዘይትስሕበኒ እኳ እንተ ዀነት፡ ንሳ ኸም እትፈትወኒ ግና እፈልጥ እየ፣ እዚ ኸኣ ንምኵሻም ባህ ዜብል ይገብሮ እዩ።” ሳሙኤል ኰነ ኢሉ ኸኳሽም ኣብ ዘይፈተነሉ እዋን እውን ብምኵሻም ብዙሕ ግዜ ይኽሰስ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መወዳእታኡ ደይ መደይ ኢሉ ኸኳሽም ወሰነ። እዚ ልማድ እዚ ግና ረበሾ። ሕጂ ሳሙኤል ብዛዕባ ምኵሻም ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር ዝንባለ ኸም እተማዕብል ስለ ዚገብር፡ ጐዳኢ እዩ” ይብል።

ሳሙኤል፡ jw.org ኣብ ዚብሃል ወብ ሳይት ንመንእሰያት ተባሂሉ እተዳለወ ዓንቀጽ ኣንበበ። ነታ፡ “ቈልዓ እኳ ጠባዩ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ዀይኑ፡ ብተግባራቱ ይፍለጥ እዩ” እትብል ምሳሌ 20:11 ኸኣ ሓሰበላ። እዚ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ ሳሙኤል፡ ምኵሻም ንጹህን ቅኑዕን ከም ዘይኰነ ተገንዘበ። ሕጂ ኸምዚ ይብል፦ “ዚኳሸም መንእሰይ፡ ሕማቕ ብዓል ሓዳር ዚገብሮ ባህርያት ከም ዜማዕብል እውን ተማሂረ እየ። ብዓልቲ ቤት እንተ ትህልወኒ እሞ፡ ምስ ካልእ ሰበይቲ ኽኳሸም ከለኹ እንተ ትርእየኒ፡ እንታይ ኪስምዓ ኸም ዚኽእል ክሓስብ ጀሚረ። እዚ ኸኣ፡ እዚ ልማድ እዚ ጕድኣት ዘይብሉ ኸም ዘይኰነ ኽግንዘብ ሓጊዙኒ። ንምግባሩ ቐሊል ስለ ዝዀነ ጥራይ፡ ቅኑዕ እዩ ማለት ኣይኰነን።” ሳሙኤል ባህርያቱ ቐይሩ እዩ። ካብ ምኵሻም ምርሓቑ ድማ፡ ካብ ምንዝርና ኺርሕቕ እውን ሓጊዝዎ እዩ።

ኣንቶንዮ እውን ናብ ምንዝርና ኣብ ዝመርሖ ዝዓበየ ሓደጋ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ውሉፍ ስእለ ጽዩፍ እዩ ነይሩ። ኣዝዩ ዚፈትዋ ብዓልቲ ቤት እኳ እንተ ነበረቶ፡ እዚ ልማድ እዚ ግና መመሊሱ ይደግሶ ነበረ። ኣንቶንዮ፡ ብዛዕባ 1 ጴጥሮስ 5:8 ምሕሳቡ ብዙሕ ከም ዝሓገዞ እዩ ዚገልጽ። እታ ጥቕሲ፡ “ቀልብኹም ሓልዉ፡ ንቕሑ! ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ” ትብል። ኣንቶንዮ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብስእለ ጽዩፍ ተኸቢብና ኢና ዘለና፣ እዚ ስእልታት እዚ ኸኣ ካብ ኣእምሮ ብቐሊሉ ኺወጽእ ኣይክእልን እዩ። እታ ጥቕሲ ብዛዕባ ምንጪ እዚ ፈተናታት እዚ ኽሓስብ ሓጊዛትኒ እያ። ምንጪ ስእለ ጽዩፍ ድያብሎስ ምዃኑ ብቕልጡፍ ክዝክር ከም ዘሎኒ ኽምሃር የድልየኒ ነይሩ። ሕጂ፡ ነዚ ኣብ ኣእምሮይን ልበይን ሓዳረይን መጥቃዕቲ ዜውርድ ዝነበረ ነገር እዚ ምእንቲ ኸሰንፎ፡ ‘ቀልበይ ክሕሉን ክነቅሕን’ ኪሕግዘኒ ዚኽእል የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ፈሊጠ እየ።” ኣንቶንዮ ዜድልዮ ሓገዝ ረኸበ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንልማዱ ሓደጎ። እዚ ድማ ኣብ ዝገደደ ጸገማት ከይኣቱ ሓጊዝዎ እዩ።

ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ከቢድ ጸገማት ክንርሕቕ ዚሕግዘና ግብራዊ ምኽሪ ይህብ እዩ። ግናኸ፡ ድሮ ሱር ዝሰደደን ቀጻልን ጸገማት እንተ ኣልዩናኸ፧ ቃል ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ጸገማት ክንፈትሖ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ መምርሒ ኻብ ገሊኡ ጸገማት ክንርሕቕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ