ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንታይ ይመስለካ፧

እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት . . .

ዘይንጹሃት ወይ ሓጥኣን ኰይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸም ዘይክእሉ ይሓስቡ እዮም። ካልኦት ድማ ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዘይሓሊ ይዛረቡ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ፡ ‘ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ምስቶም ቅኑዓት እዩ’ ይብል። (ምሳሌ 3:32) ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ኣዕሩኹ ኽንከውን ንኽእል ኢና።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ ዓርክና ኪኸውን ይደሊ እዩ።—ያእቆብ 4:8

  • ኣምላኽ ከም ዓርክና መጠን ኪሕግዘናን ይቕረ ኺብለልናን ድልው እዩ።—መዝሙር 86:5

  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ፡ ንሱ ዚፈትዎ ይፈትዉ፡ ንሱ ዚጸልኦ ድማ ይጸልኡ እዮም።—ሮሜ 12:9