ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዘመናዊ ፍጻመኡ፡ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ነቲ ንዚድሕኑ ምልክት ዚገብረሎም የሱስ ክርስቶስ የመልክት

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም ህዝቅኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ እተጠቕሱ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይን ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡትን ንመን የመልክቱ፧

ንሳቶም ነቶም ኣብ ጥፍኣት የሩሳሌም እተሳተፉን ኣብ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ዚሳተፉን ሰማያዊ ሓይልታት የመልክቱ። ነቲ ብዛዕባ እዚ ዝነበረና ግንዛበ ኸነዐርዮ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

ህዝቅኤል ቅድሚ እቲ ብ607 ቅ.ክ. ዝመጸ ጥፍኣት፡ ኣብታ ኸሓዲት የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ እከይ፡ ከምኡ ድማ ክሳዕ እቲ ጥፍኣት ዚመጽእ እንታይ ተኸታታሊ ፍጻመታት ከም ዚህሉ ዚሕብር ራእይ ረኣየ። ብዘይካዚ፡ ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኡት፡ “በፍታ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም” ዘለዎ ሰብኣይ እውን ኣብ መንጎኦም ረኣየ። (ህዝ. 8:6-12፣ 9:2, 3) እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “በታ ኸተማ ሕለፍ፡ . . . ኣብ ግምባር እቶም በቲ ኣብታ ኸተማ ዚግበር ዘሎ ዅሉ ፍንፉን ነገራት እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን ሰባት ምልክት ግበር” ተባሂሉ ተነግሮ። ደድሕሪኡ ድማ እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሰብኡት ነቶም ምልክት ዘይተገብረሎም ኪቐትሉ ተነግሮም። (ህዝ. 9:4-7) እዚ ራእይ እዚ እንታይ ይምህረና፧ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይከ መን እዩ፧

እዚ ትንቢት እዚ ብ612 ቅ.ክ. እዩ ተነጊሩ፣ እቲ ቐዳማይ ፍጻመኡ ነቲ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ የሩሳሌም ብሰራዊት ባቢሎን ዝጠፍኣትሉ እዋን እዩ ዜመልክት። እቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ባቢሎናውያን ነቲ ጥፍኣት ኬምጽእዎ እኳ እንተ ተፈቕደሎም፡ ከም ፈጸምቲ ፍርዲ የሆዋ ዀይኖም እዮም ዜገልግሉ ነይሮም። (ኤር. 25:9, 15-18) ከምኡ ዝዀኑ ኸኣ፡ የሆዋ ነቶም ከሓድቲ ህዝቡ ንምቕጻዕ ስለ እተጠቕመሎም እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጥፍኣት ብኣልማማ ኣይኰነን ነይሩ። እቶም ጻድቃን ምስቶም እኩያት ኣይተለከሙን። የሆዋ ነቶም ኣብታ ኸተማ ንዚግበር ዝነበረ ፍንፉን ነገራት ዘይተሰማምዑሉ ኣይሁድ ዜድሕነሉ መሰናድዎ ገይሩ ነይሩ እዩ።

ህዝቅኤል ኣብቲ ምልክት ናይ ምግባር ዕዮ ዀነ ኣብቲ ጥፍኣት ኣይተሳተፈን። የግዳስ፡ እቲ ፍርዲ ናይ ምፍጻም ተግባር ብኣላይነት መላእኽቲ እዩ ተገይሩ። ስለዚ፡ በዚ ትንቢት እዚ ኣቢልና፡ ኣብ ሰማይ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ኽንርኢ ኽኢልና ኢና። የሆዋ ንመላእኽቱ፡ ንጥፍኣት እቶም እኩያት ኪውድቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ጻድቃን እውን ንድሕነት ኪፈልይዎም መዝነት ሂብዎም ነይሩ እዩ። *

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ዘመናዊ ፍጻመ እቲ ራእይ ክንገልጽ ከለና፡ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ንተረፍ ቅቡኣት ከም ዜመልክት ሓቢርና ኔርና። እቶም ነቲ ዚስበኽ መልእኽቲ ዚቕበሉ ንድሕነት ምልክት ከም ዚግበረሎም ይመስለና ነይሩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ግና፡ ነዚ መግለጺ እዚ ኸነዐርዮ ኸም ዘሎና ንጹር ኰይኑልና እዩ። ብመሰረት ማቴዎስ 25:31-33፡ ንሰባት ዚፈርዶም የሱስ እዩ። ናይ መወዳእታ ፍርዱ ድማ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ንድሕነት፡ ነቶም ኣጣል መሰል ዝዀኑ ኸኣ ንጥፍኣት ብምፍላይ፡ ኣብ ግዜ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ዚገብሮ።

እሞ ደኣ ነዚ ሓድሽ ግንዛበ እዚ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና፡ ካብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ትምህርትታት ንረክብ፧ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ትምህርቲ ንረክብ ኢና፦

  1. ህዝቅኤል ኣብቲ ናብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዘምርሐ እዋን፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ኢሳይያስ ዝገበሮ፡ ምስ ኤርምያስ ኣብ ሓደ እዋን ሓላዊ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ሎሚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ንምምጋብን ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ንምጥንቃቕን፡ ሓደ ንእሽቶ ጕጅለ ቕቡኣት ኣገልገልቲ ይጥቀም ኣሎ። ኵሎም እቶም ንክርስቶስ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝዀኑ ኸኣ ነቲ መጠንቀቕታ እቲ ኣብ ምቅላሕ ግደ ኣለዎም።—ማቴ. 24:45-47

  2. ህዝቅኤል ነቶም ዚድሕኑ ሰባት ምልክት ኣብ ምግባር ኣይተሳተፈን፣ ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ነቶም ዚድሕኑ ምልክት ኣብ ምግባር ኣይሳተፉን እዮም። መልእኽቲ የሆዋ ጥራይ እዮም ዜመሓላልፉ፣ እዚ ድማ ክፍሊ እቲ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት መላእኽቲ ዚዕየ ዕዮ ስብከት እዩ።—ራእ. 14:6

  3. ብግዜ ህዝቅኤል ቃል ብቓሉ ምልክት ኣይተገብረን፣ ሎሚ እውን ዋላ ሓደ ሰብ ቃል ብቓሉ ኣብ ግምባሩ ምልክት ኣይግበረሉን እዩ። ሰባት ብምሳልያዊ መገዲ ንድሕነት ምልክት ምእንቲ ኺግበረሎም እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ነቲ ዕዮ ስብከት ኣወንታዊ ምላሽ ኪህቡን ክርስትያናዊ ስብእና ኺለብሱን ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩን ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ኪድግፉን ኣለዎም። (ማቴ. 25:35-40) እቶም ከምዚ ዚገብሩ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባ ንድሕነት ዚኸውን ምልክት ኪግበረሎም እዩ።

  4. ኣብ ዘመናዊ ፍጻመኡ፡ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ነቲ ንዚድሕኑ ምልክት ዚገብረሎም የሱስ ክርስቶስ የመልክት። እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ኣባጊዕ ኰይኖም ኣብ ዚፍረዱሉ እዋን እዮም ምልክት ዚግበረሎም። እዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም እዩ።—ማቴ. 25:34, 46 *

  5. ኣብ ዘመናዊ ፍጻመኡ፡ እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሰብኡት ነቲ የሱስ ዝመራሒኡ ሰማያዊ ሰራዊት የመልክቱ። ንሳቶም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ንኣህዛብን ንዅሉ እከይን ኬጥፍኡ እዮም።—ህዝ. 9:2, 6, 7፣ ራእ. 19:11-21

ነዚ ኣገዳሲ ትምህርትታት እዚ ምርዳእና፡ ነቲ የሆዋ ንጻድቕ ምስ እኩይ ለኪሙ ኸም ዘየጥፍእ ዘሎና እምንቶ የደልድሎ እዩ። (2 ጴጥ. 2:9፣ 3:9) ዕዮ ስብከት ኣብ ግዜና ኣገዳሲ ምዃኑ እውን የዘኻኽረና እዩ። መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ኵሉ ሰብ ነቲ መጠንቀቕታ ኺሰምዖ ኣለዎ።—ማቴ. 24:14

^ ሕ.ጽ. 6 ከም እኒ እቲ ጸሓፊ ኤርምያስ ዝነበረ ባሩኽን ዔቤድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያውን ሬካባውያንን ዝኣመሰሉ ሰባት ብዓይኒ ዚርአ ምልክት ኣብ ግምባሮም እኳ እንተ ዘይተገብረሎም፡ ድሒኖም እዮም። (ኤር. 35:1-19፣ 39:15-18፣ 45:1-5) ንድሕነት ዚኸውን ምሳልያዊ ምልክት ተገይሩሎም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 12 እሙናት ቅቡኣት ንድሕነት ዚኸውን ምልክት ኪግበረሎም ኣየድልዮምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅድሚ ሙማቶም ወይ ቅድሚ ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸበባ ናይ መወዳእታ ማሕተም ኪግበረሎም እዩ።—ራእ. 7:1, 3