ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትካ ኼመሓይሾ ይኽእልዶ፧

ኣብዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትካ ኼመሓይሾ ይኽእልዶ፧

ንዘመናዊ ህይወት ዚኸውን ጥንታዊ መጽሓፍ

መጽሓፍ ቅዱስ ሃይማኖታዊ መምርሒ ጥራይ ኣይኰነን ዚህብ። ኣብዚ ዚስዕብ መዓልታዊ ህይወት እውን ግብራዊ ምኽሪ ይህብ እዩ፦

  • ኣካላዊ ጥዕና

  • ስምዒታዊ ጥዕና

  • ናብራ ስድራ ቤትን ዕርክነትን

  • ኣተሓሕዛ ገንዘብ

  • መንፈሳውነት

ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ ሓጋዚ ዝዀነ መጽሓፍ

ንውሉድ ወለዶታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ኬመሓይሽ ጸኒሑ እዩ። ሎሚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣሽሓት ቋንቋታት ይርከብ እዩ። ካብቲ ግብራዊ ጥበቡ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ርአ።