ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ ሓጋዚ ዝዀነ መጽሓፍ

ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ ሓጋዚ ዝዀነ መጽሓፍ

መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዅሉ እተተርጐመን እተዘርግሐን መጽሓፍ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ፡ ካብ ዝዀነ ኻልእ ጽሑፍ ንላዕሊ ንብዙሓት ሰባት በጺሕዎምን ሓጊዝዎምን እዩ። ነዚ ኣሃዛት እዚ እሞ ርአ፦

ትርጉምን ዝርጋሐን መጽሓፍ ቅዱስ

  • 96.5% ህዝቢ ዓለም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረክብ ይኽእል

  • 3,350 ቋንቋ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ዚርከበሉ

  • 5,000,000,000 ብዝሒ እተሓትመ ቕዳሓት ብግምት፡ ካብ ዝዀነ ኻልእ መጽሓፍ ኣመና ይበዝሕ

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ኣብቲ JW.ORG ዚብሃል ወብሳይትና እቶ። ኣብኡ እዚ ዚስዕብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

ናይ የሆዋ መሰኻኽርን መጽሓፍ ቅዱስን

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትርጉምን ኣብ ዝርጋሐን መጽሓፍ ቅዱስ ብንጥፈት ይሳተፉ እዮም።

ገለ ኻብቲ ዝዘርጋሕናዮ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦

  • ናይ 1901 ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን

  • ባይንግተን ዝተርጐሞ ዘ ባይብል ኢን ሊቪንግ ኢንግሊሽ

  • ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት

  • ኪንግ ጄምስ ቨርሽን

  • ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን

  • ቲሸንዶርፍ ዝተርጐሞ ሓድሽ ኪዳን

ትርጉም ሓዳስ ዓለም

  • 180+ ቋንቋ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ዚርከበሉ

  • 227 ሚልዮን ካብ 1950 ኣትሒዙ እተሓትመ ትርጉም ሓዳስ ዓለም

a ሕጂ፡ ብእንግሊዝኛን ብፖርቱጋልኛን ይርከብ። ተወሳኺ ቛንቋታት ኪስዕብ እዩ።