ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 14

ካብ ሰሜን ዚመጽእ መጥቃዕቲ!

ካብ ሰሜን ዚመጽእ መጥቃዕቲ!

“ህዝብስ ናብ ምድረይ ደዪቡ ኣሎ።”—ዮኤ. 1:6

መዝሙር 95 እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ

መላለዪ *

1. ሓውና ራስልን ብጾቱን እንታይ ሜላ መጽናዕቲ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፧ እዚ ጽቡቕ ሜላ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

ልዕሊ ሓደ ዘመን ይገብር ሓውና ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን—ሒደት ካልኦት ተምሃሮ ቃል ኣምላኽ—ኣኼባታት ኪገብሩ ጀመሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ብዛዕባ እቲ በጃን እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጡ ይደልዩ ነበሩ። ሜላ መጽናዕቶም ድማ ቀሊል እዩ ነይሩ። ሓዲኦም ሕቶ የበግስ እሞ እቶም ጕጅለ ንዅሉ እቲ ምስኡ ዚዛመድ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምርምሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዝረኸብዎ ይምዝግብዎ። ብበረኸት የሆዋ ድማ፡ እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት እዚኦም፡ ሎሚ ንሕና ኣኽቢርና እንርእዮ ብዙሕ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸቡ።

2. ንሓደ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ ክንጽዕር ከለና፡ ሓድሓደ ግዜ እንታይ እዩ ናብ ግጉይ መደምደምታ ኺመርሓና ዚኽእል፧

2 እዞም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኦም ግና ነዊሕ ከይጸንሑ ንትርጉም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ምስትውዓል፡ ንሰረተ እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምፍላጥ ኣጸቢቑ ኸም ዚኸብድ ፈለጡ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፧ ብቐዳምነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኪፍጸም ከሎ ወይ ምስ ተፈጸመ ኢና እንርድኦ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንሓደ ትንቢት ብልክዕ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ብሓፈሻኡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ኣብ ገሊኡ መዳይ እቲ ትንቢት ኣተኲርና ነቲ ዝተረፈ ኽፋሉ እንተ ሓዲግናዮ፡ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ዮኤል ዚርከብ ትንቢት እውን ከምኡ ዝዀነ እዩ ዚመስል። ነቲ ትንቢት እቲ እሞ ንኸልሶ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ግንዛበና ስለምንታይ ምትዕርራይ ከም ዜድልየና ድማ ንርአ።

3-4. ክሳዕ ሕጂ ነቲ ኣብ ዮኤል 2:7-9 ዚርከብ ትንቢት ብኸመይ ኢና እንርድኦ ኔርና፧

3 ዮኤል 2:7-9 ኣንብብ። ዮኤል፡ ዕስለ ኣንበጣ ንምድሪ እስራኤል ከም ዜጥፍእዋ ተነበየ። ኣስናኖምን ምንጋጋኦምን ከም ናይ ኣናብስ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እዞም ስሱዓት ሓሸራታት ንዅሉ እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ወድእዎ! (ዮኤ. 1:4, 6) ንሓያሎ ዓመታት፡ እዚ ትንቢት እዚ ነቲ ህዝቢ የሆዋ ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ዕስለ ኣንበጣ ብዘይ ዓጋቲ ኣብ ስብከት ዚነጥፉሉ መገዲ ኸም ዜመልክት ጌርና ኢና እንኣምን ኔርና። እዚ ንጥፈት እዚ ድማ ኣብታ “ምድሪ” ወይ ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር መራሕቲ ሃይማኖት ዘለዉ ህዝቢ ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዘሕደረ ጌርና ኢና እንርድኦ ኔርና። *

4 ንዮኤል 2:7-9 ጥራይ እንተ ኣንቢብና፡ እዚ መደምደምታ እዚ ቕኑዕ ኪመስለና ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ትንቢት ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና ግና፡ ብኻልእ መገዲ ኽንርድኦ ኸም ዚግባእ ይንጽረልና እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ዜነጽር ኣርባዕተ ምኽንያት እስከ ንመርምር።

ንምትዕርራይ ዚኸውን ኣርባዕተ ምኽንያት

5-6. (ሀ) ዮኤል 2:20፡ (ለ) ዮኤል 2:25 ከነንብብ ከለና እንታይ ሕቶ እዩ ዚልዓል፧

5 ቀዳማይ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ መዓት ኣንበጣ፡ “ነቲ ሰሜነታይ [ነቶም ኣንበጣ] ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ” ኸም ዝበለ ነስተብህል። (ዮኤ. 2:20) እቶም ኣንበጣ ነቶም ንትእዛዝ የሱስ ሓልዮም ዚሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ዚገብሩን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜመልክቱ እንተ ዀይኖም፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ የሆዋ ኸም ዜርሕቖም እተዛረበ፧ (ህዝ. 33:7-9፣ ማቴ. 28:19, 20) ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዘይኰነስ፡ ንተጻባኢ ህዝቡ ዘበለ እዩ ኼርሕቕ።

6 ካልኣይ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ዮኤል 2:25 እተጻሕፈ እስከ ኣብ ግምት ነእቱ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ የሆዋ፡ “ኣነ ድማ ነተን እቲ ኣብ መንጎኹም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝዀነ ዕስለ ኣንበጣን ኩብኩብታን በላዒ ኣንበጣን ወሓጢ ኣንበጣን ዝበልዑለን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ” ኢሉ ኣሎ። የሆዋ ነቲ ኣንበጣ ዘስዓቦ ጕድኣት “ክኽሕሰኩም” ከም ዝበለ ነስተብህል። እቶም ኣንበጣ ንወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ዜመልክቱ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ዘረባ እዚ፡ እቲ ዚሰብክዎ መልእኽቲ ኸም ዚጐድእ መመልከተ ነይሩ። እቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ግና ንገሊኦም እኩያት ከም ዚንስሑ እዩ ዚገብር። (ህዝ. 33:8, 19) እዚ ብሓቂ በረኸት እዩ ዜምጽኣሎም።

7. እታ ኣብ ዮኤል 2:28, 29 እትርከብ “ድሕርዚ” እትብል ቃል እንታይ ክንርዳእ እያ እትሕግዘና፧

7 ዮኤል 2:28, 29 ኣንብብ። ሳልሳይ ምኽንያት ንርአ፦ እዚ ድማ ኣብቲ ትንቢት ተሓቢሩ ዘሎ መስርዕ ፍጻመታት እዩ። የሆዋ፡ “ድሕርዚ፡ መንፈሰይ . . . ኸፍስስ እየ” ኸም ዝበለ፡ ማለት እቶም ኣንበጣ እተመደበሎም ዕዮ ምስ ወድኡ መንፈሱ ኸም ዜፍስስሲ ኣስተብሂልናዶ፧ እቶም ኣንበጣ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም፡ ስለምንታይ እሞ እዩ የሆዋ ምስክርነቶም ድሕሪ ምውዳኦም መንፈሱ ዜፍስስ፧ ከም ሓቂ፡ ብዘይ ሓገዝ እቲ ሓያል ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ተቓውሞን እገዳን እናኣጋጠሞም ንሓያሎ ዓመታት ስብከቶም ኣይምቐጸሉን ነይሮም።

ሓውና ጆሴፍ ራዘርፎርድን ካልኦት ሓላፍነት ዝነበሮም ቅቡኣት ኣሕዋትን ኣንጻር እቲ እኩይ ስርዓት፡ ፍርዲ ኣምላኽ ብትብዓት ኣዊጆም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. እቶም ኣብ ራእይ 9:1-11 እተገልጹ ኣንበጣ ንመን እዮም ዜመልክቱ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ራእይ 9:1-11 ኣንብብ። ሕጂ እቲ ራብዓይ ምኽንያት እስከ ንርአ። ኣብ ሕሉፍ እዋን፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ምስቲ ኣብ ዮኤል ዘሎ ዚመሳሰል ትንቢት ብምህላዉ፡ እቶም ኣብ ዮኤል እተጠቕሱ ኣንበጣ ዜምጽእዎ መዓት ምስ ዕዮ ስብከት ኣተሓሒዝናዮ ኔርና ኢና። ኣብቲ ኣብ ራእይ ዚርከብ ትንቢት፡ ገጾም ገጽ ሰብ፡ ኣብ ረርእሶም እውን “ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል” ዝገበሩ ዕስለ ኣንበጣ ተራእዮም እዮም። (ራእ. 9:7) ንሳቶም ድማ፡ “ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት፡” ማለት ንጸላእቲ ኣምላኽ፡ ንሓሙሽተ ወርሒ፡—እዚ ድማ ገምጋም ዕምሪ ኣንበጣ እዩ፡—የሳቕይዎም እዮም። (ራእ. 9:4, 5) እዚ ብሓቂ ንቕቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ዚገልጾም እዩ ዚመስል። ኣንጻር እዚ እኩይ ስርዓት እተዘርበ ፍርድታት ኣምላኽ ብትብዓት ይእውጁ እዮም፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንደገፍቲ እዚ ስርዓት እዚ ምሾት የስእንዎም እዮም።

9. ኣብ መንጎ እቶም ዮኤል ዝረኣዮም ኣንበጣን ዮሃንስ ዝገለጾም ኣንበጣን እንታይ ጕሉሕ ፍልልያት ኣሎ፧

9 ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ራእይ ዘሎ ትንቢትን ኣብ ዮኤል ዘሎ ትንቢትን ምስስላት ከም ዘሎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ጕሉሕ ፍልልያት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ትንቢት ዮኤል፡ እቶም ኣንበጣ ነቲ ኣትክልቲ ይበልዕዎ እዮም። (ዮኤ. 1:4, 6, 7) ኣብ ራእይ ዮሃንስ ግና፡ ነቶም ኣንበጣ፡ “ኣትክልቲ ምድሪ . . . ኸይጐድኡ ተነግሮም” ዚብል ኢና እንረክብ። (ራእ. 9:4) እቶም ዮኤል ዝረኣዮም ኣንበጣ ኻብ ሰሜን እዮም መጺኦም። (ዮኤ. 2:20) እቶም ዮሃንስ ዝረኣዮም ግና ካብ መዓሙቝ እዮም ወጺኦም። (ራእ. 9:2, 3) እቶም ዮኤል ዝገለጾም ኣንበጣ ተሰጒጎም እዮም። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ግና፡ እቶም ኣንበጣ ኣይተሰጕጉን፣ የግዳስ፡ ዕዮኦም ኪውድኡ ተፈቒዱሎም እዩ። የሆዋ ኸም ዘይተሓጐሰሎም ዚሕብር ዋላ ሓደ ነገር ድማ ኣይተጠቕሰን።—“ ብዛዕባ ኣንበጣ እተነግረ ትንቢታት—ዚመሳሰል ግናኸ እተፈላለየ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

10. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ምሳሌ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ንበበይኑ ነገር ኬመልክት ከም ዚኽእል ዜርኢ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ሃብ።

10 እቲ ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ትንቢታት ዘሎ ጕሉሕ ፍልልያት፡ እዚ ትንቢታት ምትሕሓዝ ከም ዘይብሉ ኽንድምድም ሓጊዙና እዩ። እሞ ደኣ እቶም ኣብ ዮኤል እተገልጹ “ኣንበጣ” ምስቶም ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተገልጹ “ኣንበጣ” ሕደ ኣይኰኑን ዲና እንብል ዘለና፧ እወ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ምሳሌ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ንበበይኑ ነገር ኬመልክት ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ራእይ 5:5፡ የሱስ፡ “እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:8 ኸኣ፡ ድያብሎስ፡ “ዚጓዝም ኣንበሳ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። እምበኣር፡ ነዚ ብዛዕባ ህሉው ግንዛበና እተላዕለ ሕቶታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዛዕባ ትንቢት ዮኤል ካልእ መግለጺ ኽንረክብ ኣሎና። እዚኸ እንታይ እዩ፧

እንታይ ማለት እዩ፧

11. ኣብ ዮኤል 1:6ን 2:1, 8, 11ን ዘሎ ሓሳብ ብዛዕባ መንነት እቶም ኣንበጣ ኽንርዳእ ብኸመይ ይሕግዘና፧

11 ንትንቢት ዮኤል ምስ ከባቢኡ ኣተሓሒዝና ብደቂቕ ክንምርምሮ ኸለና፡ እቲ ነብዪ፡ ካብ ሓደ ሰራዊት ብዛዕባ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ይንበ ምንባሩ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። (ዮኤ. 1:6፣ 2:1, 8, 11) የሆዋ ድማ ነቶም ዘይእዙዛት እስራኤላውያን ንምቕጻዕ፡ ‘ዓብዪ ሰራዊቱ’ (ሰራዊት ባቢሎን) ከም ዚጥቀም ተዛሪቡ ኣሎ። (ዮኤ. 2:25) እቶም ወረርቲ ሰራዊት ከኣ “ሰሜነታይ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ፣ ባቢሎናውያን ንእስራኤል ካብ ሰሜን ስለ ዝወረርዋ፡ እዚ ብቑዕ መጸውዒ እዩ። (ዮኤ. 2:20) እቶም ሰራዊት ምስቲ ብግቡእ እተወደበ ዕስለ ኣንበጣ ተመሳሲሎም ኣለዉ። ዮኤል ብዛዕባኦም ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍ [ወተሃደር] ብመገዱ ይግስግስ። . . . ናብ ከተማ ይህንደዱ፡ ኣብ መከበብያ ይጐይዩ። ናብ ኣባይቲ ይሓዅሩ፡ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ” ይብል። (ዮኤ 2:8, 9) ነዚዶ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል፧ ኣብ ኵሉ ወተሃደራት ኣለዉ። መሕብኢ ዚብሃል የልቦን። ካብ ሰይፊ ባቢሎናውያን ኬምልጥ ዚኽእል የልቦን!

12. እቲ ዮኤል ብዛዕባ እቶም ኣንበጣ እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧

12 እቶም ኣንበጣ፡ ማለት እቶም ባቢሎናውያን (ወይ ከለዳውያን) ንኸተማ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ወሪሮምዋ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ንንጉስ ከለዳውያን ኣንጻሮም ኣደየቦ፣ ንሱ ኸኣ፡ ኣጕባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተለ፣ ንጐበዝ ኰነ ንድንግል፡ ንዓብዪ ዀነ ንኣረጊት ኣይራሕርሐን። ኣምላኽ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንደዳ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ኣፍረሶ፡ ንዅሉ እተዓርደ ግምብታታ ብሓዊ ኣንደዶ፡ ኵሉ ኽቡር ነገር ድማ ኣጥፍአ።” (2 ዜና 36:17, 19) ባቢሎናውያን ነታ ምድሪ ምስ ኣጥፍእዋ፡ ዝዀነ ተዓዛቢ፡ “ሰብን እንስሳን ዘይብላ ባድም እያ፣ ንከለዳውያን ከኣ ኣሕሊፍካ ተዋሂባ እያ” ጥራይ እዩ ኺብል ዚኽእል ነይሩ።—ኤር. 32:43

13. ትርጉም ኤርምያስ 16:16, 18 ግለጽ።

13 ዮኤል ካብ ዚንበ ኣስታት 200 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ የሆዋ ብኤርምያስ ገይሩ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ተወሳኺ ነገር ተነበዩ እዩ። እቶም ወረርቲ ነቶም ኣብ እኩይ ተግባራት እተሳተፉ እስራኤላውያን ኣጸቢቖም ደልዮም ከም ዚሕዝዎም ተገሊጹ ኣሎ። “‘እንሆ፡ ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ እሰድድ ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ንሳቶም ከኣ ኪገፍፍዎም እዮም። ድሕሪኡ፡ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ኵሉ ኸረንን ኣብ ኵሉ ዅርባን ካብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኪሃድንዎም እዮም። . . . ንስሕተቶምን ንሓጢኣቶምን ምሉእ ክፈድዮም እየ።’” ውቅያኖሳት ኰነ ዱር ነቶም ዘይተነስሑ እስራኤላውያን ካብ ወረርቲ ባቢሎናውያን ከም ዘይሓብኦም እዩ ተገሊጹ።—ኤር. 16:16, 18.

ምምላስ

14. መዓስ እያ ዮኤል 2:28, 29 ተፈጺማ፧

14 ዮኤል ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ብስራት እውን ተነብዩ እዩ። እታ ምድሪ ዳግም ፍርያም ከም እትኸውን ገሊጹ እዩ። (ዮኤ. 2:23-26) ድሕሪኡ፡ ኣብ መጻኢ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዚህሉ ሓቢሩ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ . . . እዮም። በተን መዓልትታት እቲአን ድማ መንፈሰይ ኣብ ተባዕትዮ ባሮተይን ኣንስትዮ ባሮተይን እውን ከፍስስ እየ።” (ዮኤ. 2:28, 29) ምፍሳስ መንፈስ ኣምላኽ፡ እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ኣይኰነን ተፈጺሙ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዘመናት ጸኒሑ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እዩ ተፈጺሙ። እዚ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

15. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 2:16, 17፡ ጴጥሮስ ነቲ ኣብ ዮኤል 2:28 ዘሎ ቓላት እንታይ ምትዕርራይ እዩ ገይሩሉ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

15 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ነቲ ኣብ ዮኤል 2:28, 29 ዚርከብ ትንቢት ምስቲ ኣብ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ ዝዀነ ዜደንቕ ነገር ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ሰዓት ትሽዓተ ንግሆ ኣቢሉ፡ ብተኣምራዊ መገዲ መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ፣ እቶም ነቲ መንፈስ እተቐበሉ ድማ “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ተዛረቡ። (ግብ. 2:11) ጴጥሮስ ካብ ትንቢት ዮኤል ኪጠቅስ ከሎ፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ቍሩብ ፍልይ ዝበለ ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። እንታይ ምትዕርራይ ከም ዝገበረስ ኣስተብሂልናሉዶ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 2:16, 17 ኣንብብ።) ጴጥሮስ ኪጠቅስ ከሎ፡ “ድሕርዚ” ኢሉ ኣብ ክንዲ ዚጅምር፡ “በተን ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ድሕሪ ምጅማር፡ መንፈስ ኣምላኽ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ” ኸም ዚፈስስ ገሊጹ እዩ፣ እዘን ኣብዛ ጥቕሲ ዳሕሮት መዓልትታት እተባህላ ኸኣ፡ ንዳሕሮት መዓልትታት ስርዓት ኣይሁድ እየን ዜመልክታ። እዚ ድማ ትንቢት ዮኤል እተፈጸመ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኸም ዝዀነ እዩ ዜመልክት።

16. መንፈስ ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተገብረ ዕዮ ስብከት እንታይ ጽልዋ ነይርዎ፧ ኣብዚ ግዜናኸ፧

16 ኣብ ቀዳማይ ዘመን መንፈስ ኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ድሕሪ ምፍሳሱ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ብስፍሓት ኪዕየ ተጀሚሩ እዩ። ኣብ ከባቢ 61 ድ.ክ. ኣቢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈሎሴ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ እቲ ብስራት፡ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት” ከም እተሰብከ ገሊጹ እዩ። (ቈሎ. 1:23) ብግዜ ጳውሎስ፡ “ኵሉ ፍጥረት” ኪብሃል ከሎ፡ እታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም ማለት እዩ ነይሩ። ብሓገዝ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ኣብዚ ግዜና ኣመና ሰፊሑስ፡ “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” በጺሑ ኣሎ!—ግብ. 13:47፣ “ መንፈሰይ . . . ከፍስስ እየ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

እንታይ ተቐዪሩ፧

17. ብዛዕባ እቶም ኣብ ትንቢት ዮኤል እተገልጹ ኣንበጣ ዘሎና ግንዛበ ብኸመይ እዩ ተቐዪሩ ዘሎ፧

17 እሞ ደኣ እንታይ እዩ ተቐዪሩ፧ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዮኤል 2:7-9 ዚርከብ ትንቢት ዝነጸረ ግንዛበ ኣሎና። ብሓጺሩ፡ እዚ ፍቕድታት እዚ ነቲ ብቕንኣት እንገብሮ ዕዮ ስብከትና ዘይኰነስ፡ ነቶም ብ607 ቅ.ክ. ንየሩሳሌም ዝወረርዋ ሰራዊት ባቢሎን እዩ ዜመልክት።

18. ብዛዕባ ህዝቢ የሆዋ እንታይ እዩ ዘይተቐየረ፧

18 እንታይከ እዩ ዘይተቐየረ፧ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ብዅሉ ሜላታት ገይሮም ብቐጻሊ ይሰብኩ እዮም። (ማቴ. 24:14) ነቲ ኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ካብ ምፍጻም ኪዓግተና ዚኽእል መንግስታዊ ቐይዲ የልቦን። ብበረኸት የሆዋ ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንጥፈት ተቢዕና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ኣለና! ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ምእንቲ ኺርድኣና ኸኣ ብትሕትና ናብ የሆዋ ኢና እንጽጋዕ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ግቡእ ግዜ፡ “ናብ ኵሉ ሓቂ” ኸም ዚመርሓና ንተኣማመን ኢና።—ዮሃ. 16:13

መዝሙር 97 ሰብ ብቓል ኣምላኽ እዩ ዚነብር

^ ሕ.ጽ. 5 ንሓያሎ ዓመታት፡ እቲ ኣብ ዮኤል ምዕራፍ 1ን 2ን እተመዝገበ ትንቢት ንዘመናዊ ንጥፈታት ስብከትና ኸም ዜመልክት ንኣምን ኔርና ኢና። ግናኸ፡ ብዛዕባ እዚ ኽፋል ትንቢት ዮኤል እዚ ዘሎና ግንዛበ ምትዕርራይ ክንገብር ዜድልየሉ ኣርባዕተ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ምኽንያታት እዚ እንታይ እዩ፧

^ ሕ.ጽ. 3 ንኣብነት፡ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ጥበብ የሆዋ ኣብ ፍጥረት ይርአ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ።