ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 12

ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ተወዲቡ፧

ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ተወዲቡ፧

ስጳኛ

በላሩስ

ሆንግ ኮንግ

ፐሩ

የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ግና፡ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ እዩ ዚፍጸም።—ሉቃስ 8:1

ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ክንረኽቦም ንጽዕር። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ በቤት ኪሰብኩ ኣሰልጢንዎም እዩ። (ማቴዎስ 10:11-13፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን፡ ዚሰብኩሉ ኽልታት ይምደበሎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 10:5, 6፣ 2 ቈረንቶስ 10:13) ሎሚ ድማ ብተመሳሳሊ፡ ዕዮ ስብከትና ብግቡእ እተወደበ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኽትሽፍኖ ዘለዋ ቦታ ይምደበላ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ የሱስ፡ “ንህዝቢ ኽንሰብኽን ኣጸቢቕና ኽንምስክርን” ዝሃበና ትእዛዝ ክንፍጽም የኽእለና።—ግብሪ ሃዋርያት 10:42

ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ኼድና፡ ንሰባት ክንረኽቦም ንጽዕር። የሱስ ኣብ ከም ጥቓ ባሕሪ ወይ ጥቓ ዒላ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ቦታታት ብምስባኽ፡ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (ማርቆስ 4:1፣ ዮሃንስ 4:5-15) ንሕና እውን ኣብ መገዲ፡ ኣብ ቦታታት ንግዲ፡ ኣብ መናፈሻ፡ ብተሌፎን፡ ኰታስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ፡ ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከነዘራርቦም ንፍትን ኢና። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና እውን፡ ንጐረባብትናን ንመሳርሕትናን ንመማህርትናን ንኣዝማድናን ንምስክረሎም ኢና። እዚ ዅሉ ጻዕርታት እዚ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት ‘ድሕነቱ ኺብሰሩ’ ኣኽኢሉ እዩ።—መዝሙር 96:2

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከተበስሮ እትደልዮ ሰብ ኣሎዶ፧ እዚ ብስራት እዚኸ ንመጻኢ እቶም እትነግሮም ሰባት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኪቕይሮ ዚኽእል፧ እምበኣር፡ ነዚ መልእኽቲ ተስፋ እዚ ሒዝካዮ ስቕ ኣይትበል። ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ኣካፍሎም!

  • እንታይ “ብስራት” እዩ ኺስበኽ ዘለዎ፧

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኣሰባብኻ ዝቐድሑ ብኸመይ እዮም፧