ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ንየሆዋ ኣምላኽን ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ንዚፈትዉ ዘበሉ፦

የሱስ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 8:32) ንፈለማ ግዜ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ ፈለጥካ፡ እንታይ ከም እተሰምዓካ እሞ ሕሰብ። ሓሶት ኣብ ዝመልኣ ዓለም፡ ሓቂ ኽንፈልጥ ምኽኣልና ዜሐጕስ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

የሆዋ ኣምላኽ ሓቂ ኽንፈልጥ ይደልየና እዩ። ንሰባት ፍቕሪ ስለ ዘሎና፡ ሓቂ ኽንነግሮም ንደሊ ኢና። ንኣምላኽ ንምግልጋል ግና ካብዚ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ንስርዓታት የሆዋ ብዙሕ ስለ እነኽብሮ፡ ከም ክርስትያናት ኴንና ንምንባር ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር ኣሎና። የሱስ፡ ንኣምላኽ ፍቕርና ኸነርእየሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦ ዝሓለኹ እሞ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዐ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም እውን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 15:10

የሱስ ንኣቦኡ ብሓቂ የፍቅሮ እዩ፣ ኣቦኡ ዝበሎ ዅሉ እውን ይገብር እዩ። ብኣነባብራና ንየሱስ እንተ መሲልናዮ፡ የሆዋ ኼፍቅረና እዩ፡ ንሕና እውን ብሓቂ ሕጉሳት ክንከውን ኢና። ምስዚ ብዚተሓሓዝ የሱስ፡ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 13:17

እዛ መጽሓፍ እዚኣ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንምምልላስን ዓርኪ ኣምላኽ ንምዃንን ክትሕግዘካ ተስፋ ንገብር። ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ፡ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት [ኣብ] ዜብጽሕ . . . ፍቕሪ ኣምላኽ” ድማ ክትጸንዕ ጸሎትና እዩ።—ይሁዳ 21

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር