ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ ዚሕግዘና ስርዓታትን ስነ ምግባራዊ መለክዒታትን ሒዙ ኣሎ።

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሆዋ ኣምላኽ ንዜፍቅርዎ ዘበሉ ዅሎም፡ በታ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ ኺመላለሱ ይምሕጸኖም ኣሎ።

ምዕራፍ 1

ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር

ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ጥብቅን ድልዱልን ምእንቲ ኪኸውን፡ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ጌርና ኽንዕወት ንኽእል፧

ምዕራፍ 2

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና፡ ኣብ ህይወትና ናበየናይ ኣንፈት ክንከይድ ከም ዘለና ኽንፈልጥ ኢሉ ዚመርሓና ነገር ሂቡና ኣሎ።

ምዕራፍ 3

ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ ሕረ

ኣዕሩኽና ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ጽልዋ ኺገብሩልና ይኽእሉ እዮም። ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ክንመርጽ ከለና፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ምዕራፍ 4

ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ጉባኤን ኣብ ማሕረሰብን ንስልጣን ከነኽብር ኣሎና።

ምዕራፍ 5

ካብ ዓለም ብኸመይ ትፍለ፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ኢሎም እዩ። እታ “ዓለም” ተባሂላ ዘላ፡ ንምንታይ ተመልክት፧ ክርስትያናት ካብ ዓለም ኪፍለዩ ዘለዎምከ ስለምንታይ እዮም፧

ምዕራፍ 6

መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧

ኣብዛ ዓለም ዘሎ መዘናግዒ፡ እተወሰነ ኽፋላ ምስ ዝመሽመሸ፡ እተወሰነ ኽፋላ ኸኣ ጽቡቕ ምስ ዝዀነት ፍረ ኺመሳሰል ይከኣል እዩ። ነቲ ጸጽቡቑ መሪጽና፡ ነቲ ኸክፉኡ ንምርሓቕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ምዕራፍ 7

ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧

ብዛዕባ ህይወትን ደምን ጽቡቕ ውሳነታትን ንምግባር እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ምዕራፍ 8

የሆዋ ንህዝቡ ንጹሃት ኪዀኑ ይደልዮም

ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ስርዓት ንጽህና፡ ጽሬት ሰብነትናን ክዳውንትናን ቤትናን ካብ ምሕላው ንላዕሊ የጠቓልል። ንኣምልኾናን ንኣካይዳናን ንሓሳባትናን እውን ይጸሉ እዩ።

ምዕራፍ 9

“ካብ ምንዝርና ህደሙ!”

ምንዝርና እንታይ እዩ፧ ካብኡኸ ብኸመይ ክንሃድም ንኽእል፧

ምዕራፍ 10

መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት

ገለ ኻብቲ መውስቦ ዘለዎ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርካ ዚዀነካ ሰብ ክትሓሪ ትኽእል፧ መውስቦ ነባሪ ኪኸውን ዚሕግዝ እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 11

ድሕሪ መዓልቲ መርዓ

ኵሉ ሓዳር ነናቱ ዓቐብን ቍልቍልን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣዝዩ ኸቢድ ጸገማት ዘጋጠሞም ሰብ ሓዳር እኳ፡ ድልዱል ሓዳር ኪሃንጹ ይኽእሉ እዮም።

ምዕራፍ 12

“ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ተዛረብ

ዘረባ ብዙሕ ኪጠቅምን ብዙሕ ኪጐድእን ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዚ ውህበት እዚ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይምህረና።

ምዕራፍ 13

ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧

በዓላትን ጽምብላትን ኣገዳሲ ኽፋል ህይወት ሰባት እዩ። የሆዋ ብዛዕባኡ ኸመይ ከም ዚስምዖ ብኸመይ ክንርዳእ ንኽእል፧

ምዕራፍ 14

ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንበር

ብቕንዕና ምንባር ኣጸጋሚ ዚዀነሉ ኣርባዕተ መዳያት ህይወትን ነቲ ጸገማት ምስ ሰገርናዮ ዚርከብ ጥቕምታትን ርአ።

ምዕራፍ 15

ብስራሕካ ተሓጐስ

ፈጣሪና ብስራሕና ኽንሕጐስ ይደልየና እዩ። እሞ ደኣ ብስራሕና ምእንቲ ኽትሕጐስ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንክርስትያናት ዘይከውን ዓይነት ስራሕዶ ኣሎ፧

ምዕራፍ 16

ንድያብሎስ ተጻረርዎ

ሰይጣን ኣብ ዚቈጻጸራ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ከመይ ጌርና ኢና ናብ ኣምላኽ ክንለግብን ንርእስና ኻብ ጸላኢኡ ኸነዕቍባን እንኽእል፧

ምዕራፍ 17

ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ

ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ ‘በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነቶም ንርእሶም ኪሃንጹ’ ኣተባቢዕዎም ኣሎ። እሞኸ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ እትገብር፧

ተወሳኺ ሓበሬታ

ኣብ መጽሓፍ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧ ናይ ዚርከብ ቃላትን ሓረጋትን ትርጉማት።