ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 13

“ነታ ቤተ መቕደስ ግለጸሎም”

“ነታ ቤተ መቕደስ ግለጸሎም”

ህዝቅኤል 43:10

ኣትኵሮ፦ ትርጉም እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ግርምቲ ቤተ መቕደስ

1-3. (ሀ) ህዝቅኤል በታ ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ተጸናኒዑ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

ህዝቅኤል ወዲ 50 ዓመት ኰይኑ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ምርኮ ዘሕለፎ ርብዒ ዘመን ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ካብ እትዓኑ ነዊሕ ገይራ ነይራ እያ። ህዝቅኤል ኣብኣ ኻህን ኰይኑ ኼገልግል ይምነ እንተ ነይሩ፡ እቲ ትምኒቱ ኺግሃድ ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ምርኮ ንምብቃዕ ተወሳኺ 56 ዓመት ዚኸውን ኪሓልፍ ነይርዎ። ስለዚ፡ ህዝቅኤል ኣሽምባይዶ ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ተሃኒጻ ኺርእያስ፡ ህዝቢ የሆዋ ናብ ዓዶም ክሳዕ ዚምለሱ እውን ብህይወት ከይጸንሕ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ኤር. 25:11) እዚ ሓሳባት እዝስ ብእተወሰነ ኣጕህይዎዶ፧

2 የሆዋ ኣብቲ እዋን እቲ ነቲ እሙን ዝዀነ ህዝቅኤል፡ ብዙሕ መጸናንዕን ተስፋን ዜስንቕ ካብ ኵሉ ዝሰፍሐ ራእይ ምሃቡ እምበኣር ጽቡቕ እዩ ገይሩ። በቲ ራእይ እቲ ኸኣ ነብዪ ህዝቅኤል ናብ ዓዱ ተመልሰ፡ ኣብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ከኣ ተነብረ። ኣብቲ በሪኽ ቦታ እቲ ድማ፡ ምስ ሓደ “ኸም ነሓሲ ዝትርኢቱ ሰብኣይ” ተራኸበ። እዚ መራሒ ኪዀኖ ዝመጸ መልኣኽ እዚ ንሓንቲ እተደንቕ ቤተ መቕደስ እናዞረ ኣርኣዮ። (ህዝቅኤል 40:1-4 ኣንብብ።) እቲ ትርኢት ናይ ሓቂ እዩ ዚመስል ነይሩ! እዚ ንህዝቅኤል፡ እምነቱ ኣደልዲሉሉን ትንግርቲ ዀይንዎን ብእተወሰነ ደንጽይዎን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ብዙሕ ዚፈልጦ ነገራት እኳ እንተ ረኣየ፡ ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዚፈልጣ ዝነበረት ግና ኣመና እተፈልየት እያ ነይራ።

3 እዚ መሳጢ ራእይ እዚ ነቲ ናይ መወዳእታ ትሽዓተ ምዕራፋት መጽሓፍ ህዝቅኤል ሒዙ ኣሎ። ሕጂ፡ ነዚ ራእይ እዚ ኽንምርምሮን ንምርዳኡ ኽንጽዕርን ከለና፡ እንታይ ኣረኣእያ ኸም እንሕዝ ንርአ። ድሕሪኡ፡ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕድስ፡ እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ድሕሪ ዘመናት ብሰፊሑ ዝገለጻ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እንተ ዀይና ኽንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ራእይ ንህዝቅኤልን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ምሩኻትን እንታይ ትርጉም ከም ዝነበሮ ኽንምርምር ኢና።

እተፈልየ ኣቀራርባ ዘድለየሉ ምኽንያት

4. ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ብዛዕባ እታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ እንታይ ኣቀራርባ ንጥቀም ኔርና፧ ሕጂ ግና እንታይ ኣቀራርባ ኸም ዜድሊ ኢና ተገንዚብና፧

4 ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ህዝቅኤል ነታ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኣብቲ ናብ እብራውያን ዝጸሕፋ መልእኽቱ ዝገለጻ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም ዝረኣያ፡ ኣብ ጽሑፋትና ተጠቒሱ ነይሩ። * ብመሰረት እዚ መደምደምታ እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ማሕደር ዝሃቦ መግለጺ ተበጊስና፡ ነቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዝገለጾ ነገራት ምሳልያዊ ትርጉም ንህቦ ወይ ከም ጽላሎት ጌርና ንርእዮ ኔርና ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ብጸሎት ምስ ኣጽናዕናን ምስ ኣስተንተንናን፡ ነታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ንምግላጽ ዝቐለለ ኣቀራርባ ኸም ዜድሊ ተገንዚብና ኣለና።

5, 6. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ማሕደር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ማሕደር ዝነበረ ገሊኡ ዝርዝር ነገራት እንታይ ኢሉ፧ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኣብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ክንዓይየሉ እንኽእል፧

5 ንዅሉ እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ኣብ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዘሎ ዝርዝር ነገራት ትንቢታዊ ወይ ምሳልያዊ ትርጉም ክንህቦ ጥበባዊ ኣይኰነን። ስለምንታይ ከምኡ እንብል፧ ነዚ ኣብነት እሞ ንሕሰበሉ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ማሕደርን እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስን ኪገልጽ ከሎ፡ ከም ጽንሃህ ወርቅን መኽደን እቲ ታቦትን ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን ዝኣመሰለ ኣብቲ ማሕደር ዝነበረ ዝርዝር ነገራት ጠቒሱ እዩ። ግናኸ፡ ነዚ ዝርዝር ነገራት እዚ ትንቢታዊ ትርጉም ሂብዎዶ፧ ከምኡ ንምግባር መንፈስ ቅዱስ ኣይደረኾን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ብዛዕባ እዚ ግና ሕጂ ብዝርዝር ክንዛረብ ግዜኡ ኣይኰነን” ኢሉ እዩ ጽሒፉ። (እብ. 9:4, 5) ጳውሎስ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኪእዘዝን ንየሆዋ ብትሕትና ኺጽበን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።—እብ. 9:8

6 ምስታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ብዚተሓሓዝ እውን፡ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኽንዓይየሉ ንኽእል ኢና። ኣብታ ቤተ መቕደስ ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ኣሎ። ተወሳኺ ኺንጽር ዜድልዮ ነገራት እንተሎ ድማ ንየሆዋ እንተ ተጸበናዮ ይሓይሽ። (ሚክያስ 7:7 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ መንፈስ የሆዋ ኣብዚ ራእይ እዚ ተወሳኺ ብርሃን ከም ዘየብርሀ ጌርናዶ ኽንድምድም ግቡእ እዩ፧ ኣይፋልን!

ህዝቅኤል ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ድዩ ርእዩ፧

7, 8. (ሀ) እንታይ ግንዛበ እዩ ሕጂ ተዓርዩ ዘሎ፧ (ለ) እታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ ካብታ ጳውሎስ ዝገለጻ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ብኸመይ ትፍለ፧

7 ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጽሑፋትና፡ ህዝቅኤል ነታ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኣብቲ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቱ ዝገለጻ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም ዝረኣያ ይግለጽ ነይሩ እዩ። ተወሳኺ መጽናዕቲ ምስ ተገብረ ግና፡ ህዝቅኤል ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኪርእያ ኸም ዘይክእል ክንድምድም ክኢልና ኢና። ስለምንታይ፧

8 ቀዳማይ፡ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ምስቲ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ዝሃቦ መግለጺ ኣይትገጥምን እያ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ብግዜ ሙሴ ዝነበረ ማሕደር፡ ጽላሎት ወይ ምስሊ ናይ ዝዓበየ ነገር ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ። እቲ ማሕደር ከምተን ተመሳሳሊ መሰረታዊ ንድፊ ዝነበረን ቤተ መቕደስ ሰሎሞንን ቤተ መቕደስ ዘሩባቤልን “ቅድስተ ቕዱሳን” እትብሃል ክፍሊ ነይርዎ እዩ። ጳውሎስ ነታ ኽፍሊ እቲኣ፡ “ብኢድ እተገብረት መቕደስ” ኢሉ ኣብ ርእሲ ምጽዋዑ፡ ናይ ሓቂ ዘይኰነትሲ፡ “ምስሊ እታ ናይ ሓቂ” ምዃና ገሊጹ እዩ። እታ ናይ ሓቂ ደኣ እንታይ እያ፧ ጳውሎስ፡ “ሰማይ” ከም ዝዀነት እዩ ገሊጹ። (እብ. 9:3, 24) እሞ ደኣ ህዝቅኤል ብዛዕባ ሰማይ ድዩ ራእይ ርእዩ፧ ኣይፋልን። እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ብዛዕባ ሰማያዊ ነገራት ከም ዝረኣየ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን።—ምስ ዳንኤል 7:9, 10, 13, 14 ኣረኣኢ።

9, 10. ምስ መስዋእትታት ብእተተሓሓዘ፡ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ካብታ ጳውሎስ ዝገለጻ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ብኸመይ ትፍለ፧

9 ኣብ መንጎ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይን ጳውሎስ ዝሃቦ መግለጽን ዚርከብ ብዝያዳ ዜእምን ፍልልይ ከኣ፡ ምስ መስዋእትታት እተተሓሓዘ እዩ። ነቶም ህዝብን ነቶም ሹማምንትን ነቶም ካህናትን መስዋእቲ ብዛዕባ ምቕራብ ሰፊሕ መምርሒ ኺውሃብ ከሎ፡ ህዝቅኤል ሰሚዑ እዩ። ንሳቶም ንሓጢኣቶም መስዋእቲ ኬቕርቡ ነይርዎም። መስዋእቲ ሕብረት እውን ኬቕርቡ ነይርዎም፣ ካብኡ ኸኣ ኣብቲ መመገቢ ኽፍልታት እታ ቤተ መቕደስ ኪበልዑ ይኽእሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ህዝ. 43:18, 19፣ 44:11, 15, 27፣ 45:15-20, 22-25) ኣብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ግና ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ብተደጋጋሚ ይቐርብ ድዩ፧

እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ፡ እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣይኰነትን

10 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንጹርን ቀሊልን እዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ፦ “ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት እቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ኰይኑ ምስ መጸ፡ በታ ብኢድ ዘይተገብረት፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነት፡ ዝዓበየትን ዝያዳ ፍጽምትን ድንኳን ሓሊፉ እዩ። ብደም ድቤላታትን ዝራብዓትን ዘይኰነስ፡ ብደም ገዛእ ርእሱ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡልና ሓንሳእ ንሓዋሩ ናብታ መቕደስ ኣትዩ እዩ።” (እብ. 9:11, 12) ስለዚ፡ ኣብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፡ ሓንሳእ ጥራይ እዩ ንሓዋሩ መስዋእቲ ዚቐርብ። እቲ መስዋእቲ ድማ መስዋእታዊ በጃ ዀይኑ፡ በቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ ቐሪቡ። እምበኣር፡ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ምስ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዚቐርብ መስዋእቲ ድቤላታትን ዝራብዓትን ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እተመልክት ኣይነበረትን።

11. ብግዜ ህዝቅኤል፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዚገልጸሉ እዋን ኣይኣኸለን ነይሩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

11 እዚ ድማ ናብቲ ህዝቅኤል ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ከም ዘይረኣያ ኽንድምድም ዚድርኸና ኻልኣይ ምኽንያት ይመርሓና፦ ኣምላኽ ንኸምዚ ዝበለ ሓቅታት ዚገልጸሉ ግዜ ኣይኣኸለን ነይሩ። ራእይ ህዝቅኤል ፈለማ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ከም እተጻሕፈ ኣይንረስዕ። ንሳቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እዮም ነይሮም። እቲ ምርኮ ምስ ኣብቅዐ፡ ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ምስ መሰውኢኣ ብምህናጽ ድማ በቲ ኽፋል ንጹህ ኣምልኾ ዝነበረ ሕጊ ኺመላለሱ ነይርዎም። ድሕሪኡ፡ ኣብኣ መስዋእትታት ኬቕርቡ ነይርዎም፣ እዚ ኸኣ ንዳርጋ ሽዱሽተ ዘመን እዩ ቐጺሉ። ስለዚ፡ ኣይሁድ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እንተ ዚርእይዋ ነይሮም፡ እዚ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረሎም ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ሕሰቦ። ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ገዛእ ህይወቱ እዩ ሰዊኡ፣ ድሕሪኡ ድማ፡ ኵሉ መስዋእትታት ተሳዒሩ እዩ። ነቲ ራእይ እቲ ብኸመይ ምተረድእዎ ነይሮም፧ እዝስ ነቲ ንሕጊ ሙሴ ንምሕላው ዚገብርዎ ቘራጽነት ዜዳኽምዶ ኣይምዀነን፧ የሆዋ ወትሩ ኣብ ግቡእ ግዜን ህዝቡ ድሉዋት ምስ ኰኑን እዩ ሓቅታት ዚገልጽ።

12-14. ኣብ መንጎ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስን ጳውሎስ ዝገለጻ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስን እንታይ ዝምድና ኣሎ፧ (“በበይነን ኣብያተ መቕደስ፡ በበይኑ ትምህርቲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

12 ኣብ መንጎ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስን ጳውሎስ ብዛዕባ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዝሃቦ መግለጽን ደኣ እሞ እንታይ ዝምድና እዩ ዘሎ፧ ጳውሎስ ነቲ መግለጺኡ ኣብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ብግዜ ሙሴ ዝነበረ ማሕደር ተመርኲሱ ኸም ዝሃቦ ኣይንረስዕ። ልክዕ እዩ፡ ጳውሎስ ኣብተን ቤተ መቕደስ ሰሎሞንን ቤተ መቕደስ ዘሩባቤልን እውን ዝነበረ ተመሳሳሊ ነገራት ጠቒሱ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ እውን ነይሩ እዩ። ብሓፈሻኡ ግና፡ ህዝቅኤልን ጳውሎስን ኣብ ጽሑፋቶም ኣብ እተፈላለየ ነገራት እዮም ኣተኲሮም። * ሓደ ናይቲ ሓደ ሓሳብ ኣይኰነን ኣቃሊሑ፣ የግዳስ፡ ጽሑፋቶም ሓደ ነቲ ሓደ መመላእታ እዩ ዀይንዎ። ብኸመይ፧

13 ነቲ ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዝምድና በዚ ኸምዚ ጌርና ኽንሓስቦ ንኽእል ኢና፦ ካብ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ ኢና እንምሃር፣ ካብ ህዝቅኤል ግና፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣምልኾ ዝሰርዖ መለክዒታት ኢና እንምሃር። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ ምእንቲ ኺምህረና ኢሉ፡ ትርጉም እቲ ኸም ሊቀ ኻህናትን መስዋእትታትን መሰውእን ቅድስተ ቕዱሳንን ዝኣመሰለ ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዘሎ ነገራት ገሊጹልና ኣሎ። ኣብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ግና፡ ነቲ የሆዋ ኻብ ንጹህ ኣምልኾ ብዛዕባ ዚጽበዮ ልዑል መለክዒታት ንምጕላሕ፡ ንመለክዒታት የሆዋ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ዚቐርጽ ዝርዝር ምስሊ ተዋሂቡና ኣሎ።

14 እሞ ደኣ ኻብቲ እተዓረየ ግንዛበ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ሎሚ ንዓና ብዙሕ ትርጉም የብሉን ማለት ኣይኰነን። ካብቲ ራእይ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ንምርኣይ፡ እቲ ራእይ ነቶም ብግዜ ህዝቅኤልን ድሕሪኡን ዝነበሩ እሙናት ኣይሁድ ብኸመይ ከም ዝጠቐሞም እስከ ንመርምር።

እቲ ራእይ ንምሩኻት ኣይሁድ እንታይ ትርጉም ነይርዎ፧

15. (ሀ) እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ሒዝዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ትንቢታዊ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ህዝቅኤል ምዕራፍ 8ን ኣብ መንጎ ህዝቅኤል ምዕራፍ 40 ኽሳብ 48ን እንታይ ፍልልይ ኢና እንረክብ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ዚህቦ መልሲ ንምርካብ፡ እተማልአ ስእሊ ኽንርኢ ዚሕግዘና ምስዚ ዚዛመድ ተኸታታሊ ሕቶታት እስከ ንመርምር። ቀዳማይ፡ እቲ ራእይ ሒዝዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ትንቢታዊ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧ እቲ ሓፈሻዊ መልእኽቲ ብሓጺሩ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኺምለስ ምዃኑ እዩ! እዚ ንህዝቅኤል ብርግጽ ነጺሩሉ እዩ። ነቲ ሕጂ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 8 ዚርከብ መልእኽቲ ኣቐዲሙ ጽሒፉዎ ነይሩ እዩ፣ ኣብኡ ኸኣ የሆዋ ነቲ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ፡ ህዝቅኤል ነቲ ሕጂ ኻብ ምዕራፍ 40 ኽሳብ 48 ዚርከብ ኣዝዩ እተፈልየ ዝርዝር ነገራት ኪጽሕፍ ከሎ ደስ ኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብኡ ድማ ንጹህ ኣምልኾ ኺበላሾ ኸሎ ዘይኰነስ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኸምቲ ዚግብኦ ዀይኑ፡ ማለት ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ንየሆዋ ፍጹም ኣምልኾ ኪቐርበሉ ኸሎ ኢና እንርኢ።

16. እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤተ መቕድስ ዝረኣዮ ራእይ ነቲ ኢሳይያስ ሓደ ዘመን ኣቐዲሙ እተነበዮ ትንቢት ዜራጕዶ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣምልኾ የሆዋ ናብቲ ዚግብኦ ደረጃ ንምምላስ፡ ልዕል ኪብል ነይርዎ። ልዕሊ ሓደ ዘመን ዚኸውን ኣቐዲሙ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብድራኸ መንፈስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ከረን ቤት የሆዋ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ድማ ልዕል ኪብል እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 2:2) ኢሳይያስ፡ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ናብ ቦታኡ ኸም ዚምለስን ኣብ በረኽቲ ኣኽራን ልዕል ከም ዚብልን ብንጹር ርእዩ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ህዝቅኤል ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጾ ራእይ ናበይ እዩ ኸይዱ፧ ናብ “ኣዝዩ ነዊሕ ከረን” እዩ ኸይዱ፣ ኣብኡ ድማ ንቤት የሆዋ እዩ ዚርእያ ነይሩ። (ህዝ. 40:2) እምበኣር፡ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ ኸም ዚምለስ እዩ ዜረጋግጽ።

እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ኣብ በሪኽን ልዑልን ቦታ እያ ነይራ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

17. ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ህዝቅኤል ምዕራፍ 40 ኽሳብ 48 ግለጽ።

17 ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 40 ኽሳብ 48 ተመዝጊቡ ዘሎ ህዝቅኤል ዝረኣዮን ዝሰምዖን ነገር ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንርአ። መልኣኽ ነቲ ኣፍ ደገታት፡ ነቲ መንደቕ፡ ነቲ ኣጸዳት፡ ንመቕደስ እታ ቤተ መቕደስ ኪልክዕ ከሎ ረኣየ። (ህዝ. 40–42) ድሕሪኡ፡ ልቢ ዚሰልብ ትርኢት ረኣየ፣ ክብሪ የሆዋ ናብታ ቤተ መቕደስ መጸ! የሆዋ ነቶም ፋሉል ዝዀኑ ህዝቡን ነቶም ካህናትን ነቶም ሹማምንትን ምኽሪ ሃቦም። (ህዝ. 43:1-12፣ 44:10-31፣ 45:9-12) ቀጺሉ፡ ህዝቅኤል ካብቲ መቕደስ ውሒዝ ኪውሕዝ ረኣየ፣ እቲ ውሒዝ ናብ ምዉት ባሕሪ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ህይወትን በረኸትን ኣምጽአ። (ህዝ. 47:1-12) እታ ምድሪ ድማ ብልክዕ ተመቓቒላ ረኣየ፣ ንጹህ ኣምልኾ እውን ኣብ ጥቓ ማእከል እታ ምድሪ ቦታ ተዋሂብዎ ነበረ። (ህዝ. 45:1-8፣ 47:13–48:35) እዚ እንታይ ሓፈሻዊ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ፧ የሆዋ ንህዝቡ፡ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቀደሙ ኸም ዚምለስን ልዕል ከም ዚብልን እዩ ዜረጋግጸሎም ነይሩ። ንሱ ባዕሉ ኣብ ቤት ኣምልኾኡ ብምህላው ንቤቱ ኺባርኻ፡ ካብታ ቤተ መቕደስ ድማ በረኸት ኬውሕዝ እዩ፣ እዚ እውን ነታ ምድሪ ፍወሳን ህይወትን ስርዓትን ኬምጽኣላ እዩ።

እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ፡ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ብኸመይ ናብ ቀደሙ ኸም ዚመልሶ ግሩም ብዝዀነ መገዲ ትገልጽ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

18. እቲ ራእይ ቃል ብቓሉ ኸም ዝዀነ ጌርካ ድዩ ኺውሰድ ተሓሲቡ፧ ግለጽ።

18 ካልኣይ፡ እቲ ራእይ ቃል ብቓሉ ኸም ዝዀነ ጌርካ ድዩ ኺውሰድ ተሓሲቡ፧ ኣይፋልን። ህዝቅኤልን እቶም ራእዩ ዝነገሮም ምስኡ ዝነበሩ ምሩኻትን፡ እቲ ራእይ ቃል ብቓሉ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኺውሰድ ከም ዘይብሉ ብኡብኡ ተገንዚቦም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ህዝቅኤል ነቲ ራእይ ኣብ “ኣዝዩ ነዊሕ ከረን” ከም ዝረኣዮ ኣይንረስዕ። እዚ ምስ ትንቢት ኢሳይያስ ዚተኣሳሰር እኳ እንተ ዀነ፡ ምስቲ እታ ምድራዊት ቤተ መቕደስ ዝነበረትሉ ቦታ ግና ዚገጥም ኣይነበረን። ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ከረን ሞርያ እያ ተደኲና ነይራ፣ ዳግም እውን ኣብኡ እያ ተሃኒጻ። እቲ ኸረን ግና “ኣዝዩ ነዊሕ ከረን” ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። እኳ ደኣስ፡ ከረን ሞርያ ብብራኸኡ ብዚመዓራረዮ ወይ ብዚበልጾ ኣኽራን እዩ ተኸቢቡ ዚርከብ። ብዘይካዚ፡ እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ሰፊሕ ቦታ እዩ ዜድልያ ነይሩ። ክሳዕ እቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ መንደቕ ዚሕዞ ስፍሓት ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ርእሲ ኸረን ሞርያ ኣይምኣኸላን ነይሩ። እታ ብግዜ ሰሎሞን ዝነበረት ከተማ የሩሳሌም እውን እንተ ዀነት፡ ኣይምኣኸለታን ነይራ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ እቶም ምሩኻት፡ ቃል ብቓሉ ውሒዝ ካብ ቤተ መቕደስ ውሒዙ ናብ ምዉት ባሕሪ ኺኣቱ እሞ ኣብኡ ነቲ ህይወት ዘይብሉ ማያት ኪፍውስ ተጸብዮም ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። ብዝተረፈ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ተስፋ ብዙሕ ኣኽራን ብምንባሩ፡ እቶም ነገዳት ከምቲ ኣብቲ ራእይ እተጠቕሰ ትኽ ኢሉ እተሓንጸጸ ተመዓደውቲ ዶባት ኪህልዎም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ራእይ ቃል ብቓሉ ኽትርጐም የብሉን።

19-21. የሆዋ፡ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ኣብቶም ህዝቢ እንታይ ጽልዋ ኼሕድር እዩ ሓሲቡ ነይሩ፧ ስለምንታይከ እዩ እቲ ራእይ ከምኡ ዓይነት ጽልዋ ኼሕድረሎም ዚኽእል ዝነበረ፧

19 ሳልሳይ፡ እቲ ራእይ ኣብቶም ህዝቢ ህዝቅኤል እንታይ ጽልዋ እዩ ኺህልዎ ተሓሲቡ፧ እቶም ህዝቢ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዝሰርዖ ልዑል መለክዒታት ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ኪሓፍሩ እዩ ዚግብኦም ነይሩ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ነታ ቤተ መቕደስ ግለጸሎም” ኢልዎ እዩ። ህዝቅኤል ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ብዙሕ ዝርዝር መግለጺ ስለ ዚህቦም፡ “ንድፋ . . . የጽንዕዎ” ተባሂሉ ተዘሪቡ ኣሎ። ስለምንታይ እዮም እቶም ህዝቢ ነታ ቤተ መቕድስ ኬስተንትኑላ ዝነበሮም፧ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ምእንቲ ኺሃንጽዋ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ “ብሰሪ ስሕተቶም ምእንቲ ኺሓፍሩ” እዩ ነይሩ።—ህዝቅኤል 43:10-12 ኣንብብ።

20 እቲ ራእይ እቲ ቕኑዕ ንዝልቦም ሰባት ሕልናኦም ተንክዩ ኸም ዚሓፍሩ ኺገብሮም ዚኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ንህዝቅኤል እንታይ ተባሂሉ ኸም እተነግሮ እሞ ንርአ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ስርዓታትን ሕግታትን እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝነግረካ ኣቕልበሉ፡ ተመልከቶ፡ ተጠንቂቕካ እውን ስምዓዮ።” (ህዝ. 44:5) ህዝቅኤል ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ስርዓታትን ሕግታትን ሰሚዑ እዩ። (ህዝ. 43:11, 12፣ 44:24፣ 46:14) ብዛዕባ መለክዒታት የሆዋ ዜዘኻኽሮ ብዙሕ ነገራት እውን ርእዩ እዩ፣ ንውሓት እመት ክንደይ ኪኸውን ከም ዘለዎን ልክዕ መምዘኒ ኽንደይ ኪኸውን ከም ዘለዎን እውን ከይተረፈ ይንገሮ ነይሩ እዩ። (ህዝ. 40:5፣ 45:10-12፣ ምስ ምሳሌ 16:11 ኣረኣኢ።) አረ ኣብዚ ሓደ ራእይ እዚ ጥራይ እኳ፡ ህዝቅኤል ነቲ “ለክዐ” ወይ “መለክዒ” ተባሂሉ ኺትርጐም ዚኽእል ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዚርከብ ቃላት ልዕሊ 50 ሳዕ ጠቒስዎ ይርከብ እዩ።

21 የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ኪነግሮም ኢሉ እዩ መለክዕን መምዘንን ሕግታትን ስርዓታትን ዚጠቅስ ዝነበረ፧ ንንጹህ ኣምልኾ መለክዒታት ዚሰርዕ የሆዋ በይኑ ምዃኑ ብዕቱብ ኬዘኻኽሮም ዝደለየ እዩ ዚመስል። እቶም ካብቲ መለክዒታት እቲ ዝረሓቑ ኺሓፍሩ ነይርዎም። ግናኸ፡ እቲ ራእይ ብኸመይ እዩ ንኣይሁድ ከምዚ ዝበለ ትምህርትታት ዝሃቦም፧ ኣብ እትስዕብ ምዕራፍ፡ ገለ ኣብነታት ብዝርዝር ክንርኢ ኢና። ከምኡ ምግባርና ኸኣ፡ እዚ ዜደንቕ ራእይ እዚ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ኽንግንዘብ ኬኽእለና እዩ።

እቲ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ እተራእየ ራእይ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ከም ዚሓፍሩ ኺገብሮም ዚኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 19-21 ርአ)

^ ሕ.ጽ. 4 እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ነቲ የሆዋ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ንንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ ተመልክት። ህልውናኣ ኸኣ ብ29 ድ.ክ. ከም ዝጀመረ ኢና እንግንዘብ።

^ ሕ.ጽ. 12 ንኣብነት፡ ጳውሎስ ኣብቲ ሊቀ ኻህናትን ኣብታ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እትህሉ መዓልቲ ዕርቅን እዩ ኣተኲሩ። (እብ. 2:17፣ 3:1፣ 4:14-16፣ 5:1-10፣ 7:1-17, 26-28፣ 8:1-6፣ 9:6-28) ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ግና፡ ብዛዕባ ሊቀ ኻህናት ኰነ ብዛዕባ መዓልቲ ዕርቂ ኣይተጠቕሰን።