ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ኣብ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ዘተኰረ ሓያሎ ትንቢታት ሒዛ ኣላ። እቲ ትንቢታት ብኸመይ ይምልከተና፧
ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንየሆዋ ነቲ ኣጸቢቑ ዚግብኦ ንጹህ ኣምልኾ ንምቕራብ ክትሕግዘካ ልባዊ ትምኒትና እዩ።
መግለጺ ፍሉይ መዳያት እዛ መጽሓፍ
ሳጹናት ትምህርትን ሰሌዳታት ግዜን ንግንዛበና ዜስፍሕ ተወሳኺ ሓበሬታ ይህብ።
ምዕራፍ 1
“ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ”
ሰይጣን ኣብ ኤደን ዕልወት ብምልዕዓሉ፡ ነቲ የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ብድሆ ኣቕሪቡሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ እውን መጥቃዕቲ ፈንዩ እዩ።
1ይ ክፋል
“ሰማያት ተኸፍተ”
ምዕራፍ 4
“እቶም ኣርባዕተ ዝገጾም ህያዋን ፍጡራት” መን እዮም፧
የሆዋ ነቲ ኺርድኣና ዘይክእል ዝነበረ ዘይርአ ነገራት ከነስተውዕል ንምሕጋዝ፡ ንህዝቅኤል ራእይ ኣርእይዎ እዩ።
ምዕራፍ 7
ኣህዛብ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም”
እቶም ንስም የሆዋ ዘካፍኡ፡ ንህዝቡ ድማ ዝሰጐጉ ወይ ዘበላሸዉ ኣህዛብ፡ ካብ ሳዕቤናት ተግባራቶም ኣይኬምልጡን እዮም። ካብቲ እስራኤል ምስቶም ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ንምሃር፧
ምዕራፍ 8
“ሓደ ጓሳ . . . ኸተንስኣለን እየ”
ኣምላኽ ንህዝቅኤል፡ ብዛዕባ እቲ ንኣባጊዕ የሆዋ ዚከናኸነንን ንንጹህ ኣምልኾ ንሓዋሩ ዚመልስን ኣብ መጻኢ ገዛእን ጓሳን ዚኸውን መሲሕ ኺንበ ብመንፈሱ ደሪኽዎ።
ምዕራፍ 10
“ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም”
ህዝቅኤል ብራእይ ንቑጻት ኣዕጽምቲ ዝመልአ ስንጭሮ ረኣየ፣ እቶም ኣዕጽምቲ ድማ ህያዋን ኰኑ። እዚ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
ምዕራፍ 14
“ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ”
እቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ኣይሁድ ካብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ እንታይ ግብራዊ ትምህርትታት ረኺቦም ኪዀኑ ይኽእሉ፧ እቲ ራእይከ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዘሎ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ይምህረና፧
ምዕራፍ 16
“ኣብ ግምባር . . . ምልክት ግበር”
ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ እሙናት ብኸመይ ንድሕነት ምልክት ከም እተገብረሎም ምፍላጥና፡ ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ።
ምዕራፍ 19
“እቲ ውሒዝ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ፡ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ”
እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ካብታ ቤተ መቕደስ ኪውሕዝ ዝረኣዮ ውሒዝ ብኸመይ እዩ ጥንትን ኣብዚ ግዜናን ኣብ መጻእን ዚፍጸም፧
ምዕራፍ 20
“ነታ ምድሪ ርስቲ ጌርኩም ክትመቕልዋ ኸለኹም”
ኣምላኽ ብራእይ ኣቢሉ ንህዝቅኤልን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ምሩኻትን፡ ምድሪ ተስፋ ንነገዳት እስራኤል ኪመቕልዋ ኣዚዝዎም እዩ።
ጽማቝ እቲ ዝነጸረ ትምህርትታት
ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዚርከብ ገሊኡ ትንቢታት ዝነበረና ግንዛበ እተቐየረ ስለምንታይ እዩ፧
ሳጹን ትምህርቲ 2ሀ
ንትንቢታት ህዝቅኤል ብኸመይ ትርድኦ፧
መጽሓፍ ህዝቅኤል ራእያትን ምሳሌታትን ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝሓዘ ተዋስኦታትን ሒዛ ኣላ። ሓያሎ ኻብዚ ድማ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ብድራኸ መንፈስ እተነግረ መለኮታዊ መልእኽትታት እዩ።
ሳጹን ትምህርቲ 2ለ
ናብራን ግዜን ህዝቅኤል
ብግዜ ህዝቅኤል ካልኦት ነብያት እውን ይንበዩ ነይሮም እዮም። ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ታሪኽ ህዝቡ ዜጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመታት ርእዩ እዩ።
ሳጹን ትምህርቲ 4ሀ
“ነቶም ህያዋን ፍጡራት ክጥምቶም ከለኹ”
እቶም ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮም ኣርባዕተ ፍጡራት ካብቶም ኣብ ጥንታዊት ኣሶርን ኣብ ጥንታዊት ባቢሎንያን ዝነበሩ ገዘፍቲ ሓወልትታት ብኸመይ ይፍለዩ፧
ሳጹን ትምህርቲ 6ሀ
“ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸ”
ህዝቅኤል ብመሰረት እቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ መምርሒ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ የሩሳሌም ፍጻመኡ ኣብ ዚርከብ ትንቢታዊ ተዋስኦ ተሳተፈ።
ሳጹን ትምህርቲ 9ሀ
የሆዋ ቓሉ ይሕሉ—ብግዜ ጥንቲ
ኣምላኽ ንህዝቅኤል፡ ሓራ ብዛዕባ ምዃንን ብዛዕባ ምምላስን ዜተስፉ ሓሙሽተ ተስፋታት ኪዛረብ ብመንፈሱ ደሪኽዎ።
ሳጹን ትምህርቲ 9መ
ትንቢታት ምርኮን ምምላስን
ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ጥንታዊት ባቢሎን ከም ዚኣትዉን ካብኡ ኸም እተመልሱን ዚገልጽ ትንቢታት፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ምስ ኣተወትን ካብኡ ምስ ተመልሰትን ብዝዓበየ ደረጃ ተፈጺሙ።
ሳጹን ትምህርቲ 9ረ
“ግዜ ምምላስ ኵሉ”
ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ ክርስቶስ ካብ ዚነግሰሉ እዋን ኣትሒዙ ኽሳዕ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ብዛዕባ ዚህሉ እዋን ተነብዩ።
ሳጹን ትምህርቲ 10ሐ
ብኣእጋርና ደው ክንብል ዚውሃበና ሓገዝ
ሓድሓደ ግዜ፡ ዓቕሚ ዘይብልናን ሓይልና እተጸንቀቐን ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን፣ ካብቲ ብዛዕባ እቶም ህይወት ዝመለሱ ንቑጻት ኣዕጽምቲ ዚገልጽ ራእይ ግና ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።
ሳጹን ትምህርቲ 13ሀ
በበይነን ኣብያተ መቕደስ፡ በበይኑ ትምህርቲ
እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ካብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጻ ቤተ መቕደስ ብኸመይ ትፍለ፧
ሳጹን ትምህርቲ 14ሀ
ካብታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ትምህርትታት
እንታይ ካብታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ትምህርትታት ኢኻ ኣብ ኣምልኾኻ ኽትዓይየሉ እትደሊ፧
ሳጹን ትምህርቲ 15ሀ
ኣመናዝር ኣሓት
የሆዋ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ዝገለጸሉ መገዲ፡ ብዛዕባ እቶም ንቕዱስ ስሙን ንመለክዒታት ንጹህ ኣምልኾን ‘ንውክል ኢና’ እናበሉ ብኣካይዳኦም ዚኽሕድዎ ሰባት ከመይ ከም ዚስምዖ ይሕብር።
ሳጹን ትምህርቲ 16ለ
እህህ ምባልን ምግዓርን፡ ምልክት ምግባር፡ ምሕምሻሽ—መዓስን ብኸመይን፧
እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 9 እተመዝገበ ራእይ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዚጅመረሉ እዋን ምትእምማን ኪህልወና ይሕግዘና።
ሳጹን ትምህርቲ 18ሀ
የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዓብዪ ውግእ ዝሃቦ መጠንቀቕታታት
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ዚጻረርዎ ዜጥፍኣሉ ናይ መወዳእታ ውግእ ሓያሎ ይንበ እዩ።
ሳጹን ትምህርቲ 19ሀ
ካብ የሆዋ ዚውሕዝ ወሓይዝ በረኸት
ካብ የሆዋ ንዚውሕዝ በረኸት ንምምልካት፡ እተፈላለየ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሳሳሊ ምሳሌ ተጠቒሞም ኣለዉ።
ሳጹን ትምህርቲ 20ሀ
ኣመቓቕላ እታ ምድሪ
ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ኣመቓቕላ እታ ሃገር ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሎሚ ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ኣተባቢዕዎም እዩ።