ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ኣርባዕተ

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

1, 2. (ሀ) ስም ሓደ ውሩይ ሰብ ምፍላጥካ፡ ነቲ ሰብ ብሓቂ ትፈልጦ ኢኻ ማለት ድዩ፧ ግለጽ። (ለ) ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ የሱስ እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧

ኣብ ዓለም ብዙሓት ውሩያት ሰባት ኣለዉ። ንስኻ እውን ስም ሓደ ውሩይ ሰብ ትፈልጥ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ስሙ ምፍላጥካ ጥራይ፡ ነቲ ሰብ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። እወ፡ ብዛዕባ ህይወቱን መንነቱን ብዝርዝር ትፈልጥ ኢኻ ማለት ኣይኰነን።

2 የሱስ ኣብ ምድሪ ዚነብር ዝነበረ ኣስታት 2,000 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባኡ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ሓቂ መንነት የሱስ ኣይፈልጡን እዮም። ገሊኦም ሕያዋይ ሰብ ከም ዝነበረ ይዛረቡ። ገሊኦም ነብዪ እዩ ነይሩ ይብሉ። ገሊኦም ከኣ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧—ተወሳኺ ሓበሬታ 12 ርአ።

3. ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ምፍላጥካ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓቂ ምፍላጥካ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ይብለና። (ዮሃንስ 17:3) ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ የሱስን ዚገልጽ ሓቂ እንተ ፈሊጥካ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 14:6) ብዘይካዚ፡ የሱስ ብዛዕባ ኣነባብራን ኣተሓሕዛ ሰባትን ብሉጽ ኣብነት ስለ ዝሓደገልና፡ ብዛዕባኡ እንተ ተማሂርና ኽንጥቀም ኢና። (ዮሃንስ 13:34, 35) ኣብ ምዕራፍ 1 ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ተማሂርና ኢና። ሕጂ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ከም ዚገልጽ ክንምሃር ኢና።

ንመሲሕ ረኺብናዮ

4. እተን “መሲሕ”ን “ክርስቶስ”ን ዚብላ ቓላት እንታይ የመልክታ፧

4 ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ከም ዚልእኽ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። እታ “መሲሕ” እትብል ቃል፡ ካብ እብራይስጢ ዝመጸት እያ። እታ “ክርስቶስ” እትብል ቃል ከኣ፡ ካብ ግሪኽኛ ዝመጸት እያ። ክልቲአን ድማ፡ ኣምላኽ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ከም ዚሓርን ፍሉይ ቦታ ኸም ዚህቦን እየን ዜመልክታ። እቲ መሲሕ ንዅሉ ተስፋታት ኣምላኽ ኪፍጽሞ እዩ። የሱስ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ከይተወልደ ኸሎ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ‘እቲ መሲሕ መን ኰን ይኸውን፧’ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም እዮም።

5. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ይኣምኑ ነይሮም ድዮም፧

5 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ንሱ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 1:41) ንኣብነት፡ ስምኦን ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ንስኻ ክርስቶስ . . . ኢኻ” በሎ። (ማቴዎስ 16:16) የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ግና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

6. የሆዋ ንቕኑዓት ሰባት ነቲ መሲሕ ኬለልይዎ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

6 ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሞም ዝነበሩ ነብያት ኣምላኽ፡ ሰባት ንመሲሕ ኬለልይዎ ዜኽእሎም ዝርዝር ነገራት ጽሒፎም እዮም። ከምኡ ምግባሮም ጠቓሚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ናብ መደበር ኣውቶቡስ ኬድካ ቕድሚ ሕጂ ረኺብካዮ ንዘይትፈልጥ ሰብ ከተምጽእ ተሓቲትካ ንበል። ብዛዕባ ትርኢትን ክዳውንትን እቲ ሰብ ጽቡቕ መግለጺ እንተ ተዋሂቡካ፡ ነቲ ሰብ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ እቲ መሲሕ እንታይ ከም ዚገብርን እንታይ ከም ዜጋጥሞን ገሊጹ ኣሎ። ኵሉ እቲ ትንቢታት ምፍጻሙ ኸኣ፡ ቅኑዓት ሰባት፡ የሱስ እቲ መሲሕ ከም ዝዀነ ኺፈልጡ ይሕግዝ እዩ።

7. የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ ክልተ ትንቢት ኣየናይ እዩ፧

7 ክልተ ኻብቲ ትንቢታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ነብዪ ሚክያስ ካብቲ የሱስ እተወልደሉ 700 ዓመት ኣቐዲሙ፡ እቲ መሲሕ ቤት-ልሄም ኣብ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ከም ዚውለድ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሚክያስ 5:2) የሱስ ከኣ ኣብኣ እዩ ተወሊዱ። (ማቴዎስ 2:1, 3-9) ካልኣይ፡ ዳንኤል፡ እቲ መሲሕ ብ29 ድ.ክ. ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዳንኤል 9:25) እዚ ትንቢታት እዚ፡ ክልተ ኻብቲ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ ብዙሕ ትንቢታት እዩ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 13 ርአ።

የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኰነ

8, 9. የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ እዩ ተራእዩ፧

8 የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ፡ የሆዋ ብንጹር ገሊጹ እዩ። ኣምላኽ ንዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ መሲሕ መን ምዃኑ ኼለሊ ዚሕግዞ ምልክት ከም ዚህቦ ቓል ኣትዩሉ ነይሩ እዩ። ብ29 ድ.ክ. የሱስ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ኪጥመቕ ናብ ዮሃንስ ምስ ከደ ድማ፡ ዮሃንስ ነቲ ምልክት ረኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተፈጸመ ነገር ከምዚ ይብለና፦ “የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ፣ እንሆ፡ ሰማያት ተኸፍተ፣ መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ ኸኣ፡ ኣብኡ ኺዓርፍ ከሎ ረኣየ። እንሆ ድማ፡ ካብ ሰማያት፡ ‘ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ’ ዚብል ድምጺ መጸ።” (ማቴዎስ 3:16, 17) ዮሃንስ ነቲ ምልክት ምስ ሰምዖን ምስ ረኣዮን፡ የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ፈለጠ። (ዮሃንስ 1:32-34) ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሱስ መንፈስ ምስ ኣፍሰሰ፡ የሱስ መሲሕ ኰነ። እወ፡ ኣምላኽ፡ መራሕን ንጉስን ኪኸውን ዝመረጾ ንዕኡ እዩ።—ኢሳይያስ 55:4

9 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣምላኽ ባዕሉ እተዛረቦ ቓላትን ኣብቲ የሱስ እተጠምቀሉ እዋን ዝሃቦ ምልክትን፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። እንተዀነ ግና፡ የሱስ ካበይ እዩ መጺኡ፧ እንታይ ዓይነት ሰብከ እዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

የሱስ ካበይ እዩ መጺኡ፧

10. የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ብዛዕባ ዝነበሮ ህይወት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚምህር፧

10 የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማይ ንነዊሕ እዋን ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። ሚክያስ፡ እቲ መሲሕ “መበቈሉ ኻብ ጥንቲ” ኸም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። (ሚክያስ 5:2) የሱስ ባዕሉ ድማ ሰብ ኰይኑ ኸይተወልደ ኸሎ፡ ኣብ ሰማይ ይነብር ከም ዝነበረ ብዙሕ ሳዕ ገሊጹ እዩ። (ዮሃንስ 3:13፣ 6:38, 62፣ 17:4, 5 ኣንብብ።) ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እውን ምስ ኣቦኡ ፍሉይ ርክብ ነይርዎ እዩ።

11. የሆዋ ንየሱስ ኣዝዩ ዜፍቅሮ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሆዋ ንየሱስ ኣዝዩ የፍቅሮ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ንየሱስ እዩ ፈጢርዎ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ተባሂሉ ኣሎ። * (ቈሎሴ 1:15) የሆዋ ንየሱስ ኣዝዩ ዜፍቅረሉ ኻልእ ምኽንያት ድማ፡ ብቐጥታ ዝፈጠሮ ንዕኡ ጥራይ ብምዃኑ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ሓደ ወዱ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዮሃንስ 3:16) ኣምላኽ ንዅሉ ፍጥረት ኪፈጥር ከሎ እውን ንየሱስ ጥራይ እዩ ተጠቒሙሉ። (ቈሎሴ 1:16) የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ናብ መላእኽቲ ዀነ ናብ ሰባት መልእኽትን መምርሕን ስለ ዚልእኽ ድማ፡ የሱስ “ቃል” ተባሂሉ ኣሎ።—ዮሃንስ 1:14

12. የሱስን ኣምላኽን ማዕረ ኸም ዘይኰኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

12 ገሊኦም ሰባት፡ የሱስን ኣምላኽን ማዕረ ኸም ዝዀኑ ይኣምኑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከምኡ ኢሉ ኣይምህርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ከም እተፈጥረ ስለ ዚገልጽ፡ የሱስ መጀመርታ ኣለዎ። እቲ ንዅሉ ዝፈጠረ የሆዋ ግና መጀመርታ የብሉን። (መዝሙር 90:2) እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ማዕረ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪኸውን ፈጺሙ ሓሲቡ ኣይፈልጥን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ኣቦ ኻብ ወዲ ኸም ዚዓቢ ብንጹር ይምህር እዩ። (ዮሃንስ 14:28 ኣንብብ፣ 1 ቈረንቶስ 11:3) የሆዋ ጥራይ እዩ እቲ “ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ።” (ዘፍጥረት 17:1) ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝዓበየን ዝሓየለን ድማ ንሱ እዩ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 14

13. የሱስ “ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ” ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ስለምንታይ እዩ፧

13 የሆዋን ወዱ የሱስን፡ ሰማያትን ምድርን ከይተፈጥረ ኸሎ ብቢልዮናት ንዚቝጸር ዓመታት ብሓንሳእ ዓይዮም እዮም። ኣብ ንሓድሕዶም ድማ ፍቕሪ ኣለዎም። (ዮሃንስ 3:35፣ 14:31) የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ኣጸቢቑ ስለ ዝቐድሖ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ “ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ።—ቈሎሴ 1:15

14. እቲ ፍቑር ወዲ የሆዋ፡ ሰብ ኰይኑ እተወልደ ብኸመይ እዩ፧

14 እቲ ፍቑር ወዲ የሆዋ ብፍታዉ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ መጺኡ፡ ሰብ ኰይኑ ተወሊዱ እዩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ክኢሉ፧ የሆዋ ንህይወት ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ማርያም እትብሃል ድንግል ብተኣምራዊ መገዲ ኣመሓላለፎ። ስለዚ፡ የሱስ ብዘይ ሰብኣዊ ኣቦ እዩ ተወሊዱ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ማርያም ፍጹም ወዲ ወለደት፣ የሱስ ኢላ እውን ሰመየቶ።—ሉቃስ 1:30-35

የሱስ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧

15. ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትፈልጦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

15 ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ ዚብሃል መጻሕፍቲ፡ ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ ህይወቱን ብዛዕባ ባህርያቱን ብዙሕ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ ወንጌላት እውን ይብሃል እዩ። የሱስ ንኣቦኡ ስለ ዚመስል፡ እቲ እተንብቦ ነገራት ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ዝበለ።—ዮሃንስ 14:9

16. የሱስ እንታይ እዩ ምሂሩ፧ ትምህርቱኸ ኻብ መን ዝረኸቦ እዩ ነይሩ፧

16 ብዙሓት ሰባት ንየሱስ፡ “መምህር” ኢሎም ይጽውዕዎ ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 1:38፣ 13:13) ሓደ ኻብቲ ዝመሃሮ ኣገዳሲ ነገር ድማ፡ “ብስራት መንግስቲ” እዩ ነይሩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ እንታይ እያ፧ እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ኣብ ሰማይ ኰይና ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እትገዝእ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ከኣ በረኸት እተምጽኣሎም ምምሕዳር ኣምላኽ እያ። (ማቴዎስ 4:23) ኵሉ እቲ የሱስ ዝመሃሮ ነገራት ካብ የሆዋ ዝረኸቦ እዩ ነይሩ። የሱስ ባዕሉ፡ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) የሱስ፡ የሆዋ ንሰባት ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኸም እትገዝእ ዚገልጽ ብስራት ኪሰምዑ ኸም ዚደልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

17. የሱስ ኣበይ እዩ ዚምህር ነይሩ፧ ንሰባት ኪምህር ብዙሕ ዝጸዓረኸ ስለምንታይ እዩ፧

17 የሱስ ኣበይ እዩ ዚምህር ነይሩ፧ ሰብ ኣብ ዝረኸበሉ ዘበለ እዩ ዚምህር ነይሩ። ኣብ ገጠራት፡ ኣብ ከተማታት፡ ኣብ ኣቝሻት፡ ኣብ ዕዳጋታት፡ ኣብ ቦታታት ኣምልኾ፡ ኣብ ኣባይቲ ይምህር ነይሩ እዩ። ሰባት ናብኡ ኺመጹ ኣይተጸበዮምን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሱ ናባታቶም ይኸይድ ነበረ። (ማርቆስ 6:56፣ ሉቃስ 19:5, 6) የሱስ ንሰባት ንምምሃር ግዜኡን ጕልበቱን ብምስዋእ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ። ስለምንታይ፧ ኣምላኽ ከምኡ ኺገብር ከም ዚደልዮ ይፈልጥን ንኣቦኡ ወትሩ ይእዘዞን ስለ ዝነበረ እዩ። (ዮሃንስ 8:28, 29) የሱስ ዝሰበኸሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ንሰባት ይድንግጸሎም ስለ ዝነበረ እዩ። (ማቴዎስ 9:35, 36 ኣንብብ።) መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ መንግስቱን ሓቂ ይምህሩ ኸም ዘይነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ሰባት ብስራት ኪሰምዑ ይደሊ ነበረ።

18. ካብ ባህርያት የሱስ ብዝያዳ እትፈትዎ ኣየናይ እዩ፧

18 የሱስ ንሰባት የፍቅርን ይሓልን ነበረ። ለዋህን ተቐራብን እዩ ነይሩ። ቈልዑ እኳ ኸይተረፉ ኪቐርብዎ ይደልዩ ነበሩ። (ማርቆስ 10:13-16) የሱስ ዘየዳሉ እዩ ነይሩ። ብልሽውናን ዘፍትሓውነትን ከኣ ይጸልእ ነበረ። (ማቴዎስ 21:12, 13) ንደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ መሰላትን ክብርን ኣብ ዘይውሃበሉ ዝነበረ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ንሱ ግና ንደቂ ኣንስትዮ ብኣኽብሮት ይሕዘን ነበረ። (ዮሃንስ 4:9, 27) የሱስ ብሓቂ ትሑት እውን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓደ ምሸት ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ፡ ኣገልገልቲ ዚገብርዎ ዕዮ ዓየየ።—ዮሃንስ 13:2-5, 12-17

የሱስ፡ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ይሰብኽ ነበረ

19. የሱስ፡ ሰባት ብሓቂ እንታይ ከም ዜድልዮም ይፈልጥን ኪሕግዞም ይደልን ከም ዝነበረ ዜርኢ ኣብነት እንታይ እዩ፧

19 የሱስ፡ ሰባት ብሓቂ እንታይ ከም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኪሕግዞም እውን ይደሊ ነይሩ እዩ። ብሓይሊ ኣምላኽ ገይሩ ንብዙሓት ብተኣምራት ብምሕዋዩ ኸኣ እዚ ንጹር ኰይኑ እዩ። (ማቴዎስ 14:14) ንኣብነት፡ ሓደ ድዉይ ናብ የሱስ መጺኡ፡ “እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” በሎ። የሱስ እቲ ሰብኣይ ዜሕልፎ ዝነበረ ስቓይ ተሰምዖ። ስለ ዝደንገጸሉ ድማ ኪሕግዞ ደለየ። ስለዚ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፣ “እደሊ እየ። ንጻህ” ድማ በሎ። እቲ ሕሙም ሰብኣይ ከኣ ሓወየ። (ማርቆስ 1:40-42) እቲ ሰብኣይ ከመይ ከም እተሰምዖ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።

ወትሩ ንኣቦኡ እሙን

20, 21. የሱስ ንኣምላኽ እዙዝ ብምዃን ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

20 የሱስ ንኣምላኽ እዙዝ ብምዃን ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት እዩ። ዝመጸ ይምጻእ ወይ ጸላእቱ ዚገብርዎ ነገር ብዘየገድስ፡ ንኣቦኡ እሙን ኰይኑ እዩ። ንኣብነት፡ ሰይጣን ምስ ፈተኖ፡ ኣይሓጥአን። (ማቴዎስ 4:1-11) ገለ ኻብ ስድራ ቤቱ መሲሕ ምዃኑ ኣይኣመኑን ነይሮም፡ “ተጸሊሉ” ድማ ይብሉ ነበሩ። የሱስ ግና ዕዮ ኣምላኽ ምዕያይ ኣየቋረጸን። (ማርቆስ 3:21) ጸላእቱ ምስ ገፍዕዎ፡ ንኣምላኽ እሙን ኰነ፣ ንጸላእቱ ድማ ኣይጐድኦምን።—1 ጴጥሮስ 2:21-23

21 የሱስ ዜስካሕክሕን ዜሳቕን ሞት ኪመውት ከሎ እውን ንየሆዋ እሙን ኰይኑ እዩ። (ፊልጲ 2:8 ኣንብብ።) ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ ኽንደይ ስቓይ ከም ዘሕለፈ እሞ ሕስብ ኣብል። በታ መዓልቲ እቲኣ ተታሒዙ፡ ብሓሰውቲ መሰኻኽር ተኸሲሱ፡ ብብልሹዋት ደያኑ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ፡ መስሓቕ ጭፍራ ሰባት ኰይኑ፡ ብወተሃደራት ተሳቕዩ፡ ኣብ ጕንዲ ድማ ተሸንኪሩ እዩ። ኪመውት ከሎ ድማ፡ “ተፈጺሙ!” ኢሉ ጨደረ። (ዮሃንስ 19:30) የሱስ ምስ ሞተ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ የሆዋ ንየሱስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ መንፈሳዊ ኣካል ሃቦ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ድማ፡ የሱስ ናብ ሰማይ ተመሊሱ፡ “ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ” እዩ። ኣብኡ ኸኣ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ዜንግሶ ተጸበየ።—እብራውያን 10:12, 13

22. የሱስ ንኣቦኡ እሙን ሳላ ዝዀነ፡ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱልና፧

22 የሱስ ንኣቦኡ እሙን ሳላ ዝዀነ፡ ከምቲ የሆዋ ዝዓለሞ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ። ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ሞት የሱስ ብኸመይ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፈተልና ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 11 የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ኣቦ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ኢሳይያስ 64:8) የሱስ ከኣ ብኣምላኽ ስለ እተፈጥረ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ መላእኽቲ ዀኑ ኣዳም፡ ደቂ ኣምላኽ ተባሂሎም ተጸዊዖም እዮም።—እዮብ 1:6፣ ሉቃስ 3:38