ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 3

ወዲ ሰብ ካብ ማይ ኣይሂ ደሓነ

ወዲ ሰብ ካብ ማይ ኣይሂ ደሓነ

ኣምላኽ ንእክይቲ ዓለም ኣጥፈኣ፡ ንኖህን ስድራ ቤቱን ግን ኣድሓኖም

ደቂ ሰብ እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ ሓጢኣትን እከይን ብቕልጡፍ ኣብ ምድሪ ኣስፋሕፍሐ። ሄኖክ ዝስሙ በይኑ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለ ሰብኣይ፡ ኣምላኽ ነቶም ዘይፈርህዎ ሰባት ከም ዜጥፍኦም ኣጠንቀቐ። ኰይኑ ግን፡ እከይ ብዝያዳ እናኣስፋሕፍሐ ኸደ። ገሊኦም መላእኽቲ ነቲ ኣብ ሰማይ እተዋህቦም ስፍራ ሓዲጎም፡ መልክዕ ሰብ ሒዞም ኣብ ምድሪ ብምምጻእን ምስ ኣንስቲ ብምትእትታውን፡ ካብ የሆዋ ዓለዉ። ካብቲ ዘይባህርያዊ ርክቦም ድማ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ዓመጻን ምፍሳስ ደምን ዘጋደዱ ንጉዓት ደቓሉ ተወልዱ። ኣምላኽ ነቲ ምድራዊ ፍጥረቱ ኺበላሾ ኸሎ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ሓዘነ።

ሄኖክ ድሕሪ ሙማቱ፡ ኣብታ እከይ ዝበዝሓ ዓለም ሓደ ፍልይ ዝበለ ሰብኣይ ነበረ። ስሙ ኖህ ይበሃል። ንሱን ስድራ ቤቱን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ፈተኑ። ኣምላኽ ነቶም ኣብታ ናይ ሽዑ ዓለም ዝነበሩ እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም ምስ ወሰነ፡ ንኖህን ንእንስሳታት ምድርን ኬድሕን ደለየ። ስለዚ ድማ፡ ንኖህ፡ ሳንዱቕ እትመስል ዓባይ መርከብ ኪሰርሕ ኣዘዞ። ብእኣ ኣቢሎም፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ብዙሓት እንስሳታትን ካብቲ ማይ ኣይሂ ኺድሕኑ እዩ ሓሲቡ። ኖህ ንኣምላኽ ተኣዘዘ። ኣብቲ ኖህ ነታ መርከብ ኣብ ምስራሕ ዘሕለፎ ሓያሎ ዓመታት፡ “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ እውን ኣገልጊሉ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ማይ ኣይሂ እኳ እንተ ኣጠንቀቖም፡ ንሳቶም ግን ኣይሰምዕዎን። ኖህን ስድራ ቤቱን ነቶም እንስሳታት ሒዞም ናብታ መርከብ ዚኣትዉሉ ግዜ ኣኸለ። ኣምላኽ ነታ መርከብ ብድሕሪኦም ዓጸዋ። ዝናም ድማ ኪወቅዕ ጀመረ።

እቲ ዝናም፡ ምድሪ ኽሳዕ እተዕለቕልቕ፡ ን40 መዓልትን ን40 ለይትን ዘነመ። በዚ ኸምዚ፡ እኩያት ጠፍኡ። ድሕሪ ሓያሎ ኣዋርሕ እቲ ማይ ምስ ጐደለ፡ እታ መርከብ ኣብ ሓደ ኸረን ኣዕረፈት። እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ፍጡራት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብደሓን ካብኣ ወጹ። ኖህ ምስጋናኡ ንምግላጽ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረበሉ። ኣምላኽ ከኣ ድሕሪ ደጊም ህይወት ንዘለዎ ዅሉ ኻብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ማይ ኣይሂ ኸም ዘየምጽእ ብምግላጽ፡ ንኖህን ስድራ ቤቱን ኣረጋገጸሎም። ነቲ ዜጸናንዕ መብጽዓ ኸም መዘኻኸሪ ዚኸውን ዚርአ ውሕስነት ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ቀስተ ደበና ሃበ።

ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ሓድሽ ትእዛዛት ሃቦም። ስጋ እንስሳታት ኪበልዑ ፈቐደሎም። ደም ከይበልዑ ግን ከልከሎም። ንዘርኢ ኖህ ኣብ ምድሪ ኼስፋሕፍሑ እውን ትእዛዝ ሃቦም፣ ገሊኦም ግን ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣይሓለውዎን። ሰባት ኣብ ትሕቲ ኒምሮድ ዚበሃል መራሒ ብሓደ ዀይኖም፡ ኣብ ከተማ ባቤል—ጸኒሓ ባቢሎን እተባህለት—ዓብዪ ግምቢ ኺሰርሑ ጀመሩ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኼስፋሕፍሑ ዝሃቦም ትእዛዝ ኪጥሕሱ እዮም ሓሊኖም ነይሮም። ኣምላኽ ግን ንቛንቋ እቶም ዓለወኛታት ብምድብላቕን እተፈላለየ ቛንቋታት ከም ዚዛረቡ ብምግባርን፡ ውጥኖም ኣፍሸሎ። ኪረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም ድማ፡ ነቲ ፕሮጀክቶም ሓዲጎም ፋሕ በሉ።

—ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 6 ኽሳዕ 11፣ ይሁዳ 14, 15 እተመስረተ።