ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 10

ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ

ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ

የሆዋ ንንጉስ ሰሎሞን ጥበበኛ ልቢ ሃቦ፣ ሰሎሞን ነጊሱሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እስራኤላውያን መወዳድርቲ ዘይብሉ ሰላምን ብልጽግናን ረኸቡ

ኵሎም ህዝብን ገዛኢኦምን ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ገዛኢኦም ገይሮም እንተ ስዒቦምዎን ንሕግታቱ እንተ ተኣዚዞምን፡ እንታይ ዓይነት ህይወት እዩ ዚህሉ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ንጉስ ሰሎሞን ን40 ዓመት ነጊሱሉ ዝነበረ እዋን ተራእዩ እዩ።

ዳዊት ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ንወዱ ሰሎሞን ተተካኢኡ ገይሩ ሸሞ። ሰሎሞን ብሕልሚ፡ ካብ ኣምላኽ ዝደለዮ ኺልምን ሕቶ ቐረበሉ። ሰሎሞን ነቲ ህዝቢ ብቕንዕናን ብጥበብን ንምፍራድ ዜኽእሎ ጥበብን ፍልጠትን ለመነ። የሆዋ ኸኣ ተሓጒሱ ጥበበኛን መስተውዓልን ልቢ ሃቦ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ እዙዝ እንተ ዀይኑ፡ ሃብትን ክብርን ነዊሕ ዕድመን ከም ዚህቦ ተመባጽዓሉ።

ሰሎሞን በቲ ጥበባዊ ፍርድታቱ ፍሉጥ ኰነ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ክልተ ኣንስቲ ብሓደ ሕጻን ተባኢሰን መጻ፣ ክልቲአን ኣዲኡ ምዃነን ተማጐታ። ሰሎሞን ነቲ ሕጻን ኣብ ክልተ ቘሪጾም ኬማቕልወን ኣዘዘ። እታ ሓንቲ ሰበይቲ በዚ ኽትሰማማዕ ከላ፡ እታ ናይ ሓቂ ኣዲኡ ግን ነታ ኻልእ ሰበይቲ ኺወሃብ ለመነት። ሽዑ ሰሎሞን እታ ርሕርሕቲ ሰበይቲ ኣደ እቲ ሕጻን ምዃና ብጥበብ ተገንዚቡ፡ ነቲ ሕጻን ንዓኣ ሃባ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ነዚ ዝፈረዶ ፍርዲ ምስ ሰምዑ፡ ጥበብ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ፈለጡ።

ሓደ ኻብቲ ሰሎሞን ዝፈጸሞ ዓብዪ ተግባር፡ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሆዋ እዩ ነይሩ። እታ ቤተ መቕደስ ንእስራኤል ማእከል ኣምላኾ ዀይና እተገልግል ኣብ የሩሳሌም ዝቘመት እተደንቕ ህንጻ እያ ነይራ። ክትምረቕ ከላ፡ ሰሎሞን፡ “እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ፧” ኢሉ ጸለየ።—1 ነገስት 8:27

ብዛዕባ ሰሎሞን ዚገልጽ ወረ ናብ ብዙሕ ሃገራት ተዘርግሐ፣ ክሳዕ እቲ ኣብ ምድሪ ዓረብ ዚርከብ ሳባ እውን በጽሐ። ንግስቲ ሳባ ንግርማን ሃብትን ሰሎሞን ክትርኢ፡ ንጥበቡ ድማ ክትፍትኖ ኢላ ናብኡ ተጓዕዘት። እታ ንግስቲ ብጥበብ ሰሎሞንን ብብልጽግና እስራኤልን ኣዝያ ስለ እተመሰጠት፡ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥበበኛ ንጉስ ኣብ ዝፋን ዘደየቦ የሆዋ ወደሰቶ። እወ፡ ሰሎሞን በረኸት የሆዋ ስለ ዝረኸበ፡ ኣብ ታሪኽ ጥንታዊት እስራኤል ብብልጽግናኡን ሰላሙን መወዳድርቲ ኣይነበሮን።

እቲ ዜሕዝን ግን፡ ሰሎሞን ምስ ጥበብ የሆዋ ተሰማሚዑ ኣይቀጸለን። ንትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሱ፡ ብኣማእታት ዚቝጸራ ኣንስቲ ኣእተወ፣ ብዙሓት ካባታተን ድማ ጓኖት ኣማልኽቲ የምልኻ ነበራ። እተን ኣንስቱ በብቝሩብ ንልቡ ኻብ የሆዋ ኣርሒቐን፡ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ኣዘንበላኦ። የሆዋ ንሰሎሞን ክፋል መንግስቱ ኻብኡ ኸም እትቕደድ ነገሮ። ምእንቲ ዳዊት ኣቦ ሰሎሞን ኢሉ ግን፡ እተወሰነ ኽፋል ጥራይ ኣብ ትሕቲ እቲ መስመር ወለዶ ዳዊት ከም እትቕጽል ሓበሮ። ዋላኳ ሰሎሞን ካብ መገዲ ኣምላኽ እንተ ረሓቐ፡ የሆዋ ግን ነቲ ንዳዊት ዝኣተዎ ኺዳን ብተኣማንነት ሓለዎ።

—ኣብ 1 ነገስት ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 11፣ 2 ዜና መዋእል ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 9፣ ዘዳግም 17:17 እተመስረተ።