ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት እሱራት በብሓደ ይቕየር ኣሎ

ህይወት እሱራት በብሓደ ይቕየር ኣሎ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ስጳኛ ንዚርከባ 68 ቤት ማእሰርቲ ምብጻሕ ይገብሩለን እዮም፣ ኣስታት 600 እሱራት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ኣለዉ።

ሚገል ሓደ ኻብዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕ ዚገብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ፣ ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃኑ ድማ ን12 ዓመት ተኣሲሩ ነበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሰሙናዊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይበጽሕ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ካልኦት እውን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ኣብ ህይወቶም ለውጢ ምእንቲ ኺገብሩ ኺሕግዞም ኢሉ እዩ።

ሚገል ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ዓመት ንብዙሓት እሱራት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ሓጊዝዎም እዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ኣብታ ቐደም ተኣሲረላ ዝነበርኩ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዉ እሱራት ክሕግዞም ከለኹ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ። ካብ ናይ ገበን ዓለም ንምውጻእ ዘለዎም ድሌት ክርኢ ኸለኹ ኸኣ ብሓቂ የሐጕሰኒ እዩ።”

ሚገል ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ከሎ፡ ኣቦኡ ብሓደ ዝሰኸረ መራሕ ማኪና ተገጭዩ እዩ ሞይቱ። እታ መበለት ዝዀነት ኣዲኡ ድማ ንስድራ ቤቶም ንምንባይ ነዊሕ ሰዓታት ክትሰርሕ ነበራ።

ሚገልን እቲ ምዕባዩ ሓዉን ካብ ቤት ትምህርቲ ኼብኵሩ፡ ካብ ኣባይትን ማካይንን ድማ ኪሰርቁ ጀመሩ። ሚገል ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ኣብ ንኣሽቱ ገበናት ይሳተፍ ነበረ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ ነጋዳይ ሓሽሽ ብምዃን ብዙሕ ገንዘብ ይረክብ ነበረ። እንተዀነ ግና፡ በቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝዋጋኡ ሄሮይንን ኮከይንን ውሉፍ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ዚኸውን ገንዘብ ንምርካብ ዝያዳ ኺሰርቕ እዩ ዚግደድ ነይሩ። ካብ ወዲ 16 ዓመት ኣትሒዙ ድማ፡ ብቐጻሊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይእሰርን ይፍታሕን ነበረ፣ ጸኒሑ ኸኣ ልማደኛ ገበነኛ ዀነ። ሚገል፡ “እንተስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተስ ልዕሊ ዓቐን ሓሽሽ ብምውሳድ ከም ዝመውት እኣምን ነይረ እየ” ይብል። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ልክዕ ከምቲ ብዓለባ ሳሬት እተታሕዘ ሃመማ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ” በለ።

ብ1994 ግና ሚገል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ሓደ ኻብ ኣዕሩኹ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ሚገል ደብዳበ ኺጽሕፍ ሓተቶ። ሚገል ካብታ ደብዳበ፡ ዕላማ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ምልዋጥ ምዃኑ ተረድአ። እቲ ጸሓፊ፡ ሚገል እዚ ተስፋ እዚ ኺፍጸም ከሎ ምእንቲ ኺርኢ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኺገብር ኣተባብዖ። ሚገል፡ “ቃላቱ ልበይ ተንኪፉኒ እዩ፣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኵሉ ነገራት ተቐየረ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ቀሊል ከም ዘይከውን እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ከጽንዕ ወሰንኩ” በለ።

ሚገል ከምዚ እተሰምዖ፡ ወልፊ ሓሽሽን ትምባኾን ስለ ዝነበሮ እዩ። ነዚ ብቐሊሉ ኺረኽቦ ይኽእል ነይሩ እዩ። መተኣስርቱ እውን መዓልታዊ እዩ ሓሽሽ ዚህቦ ነይሩ። ወልፍታቱ ንምስናፍ ሓይሊ ኺረክብ ብቐጻሊ ይጽሊ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ተዓወተ።

ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ሚገል ብዛዕባ እምነቱ ንኻልኦት እሱራት ኬካፍሎም ጀመረ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት፡ ካብ ማእሰርቲ ተፈትሐ፣ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ድማ ተጠምቀ። ኪምርዖ መዲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓደ ጸገም ኣጋጠመ። ንመርዓ ወርሒ ኺተርፎ ኸሎ፡ ቤት ፍርዲ ብሰንኪ ተወንዚፉ ዝነበረ ሓያሎ ጕዳያት፡ ሚገል ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመት ኪእሰር በየነ። እንተዀነ ግና፡ ሳላ እቲ ዘርኣዮ ጽቡቕ ጠባይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ተፈትሐ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ እቲ መርዓ ተፈጸመ። ካብኡ ንነጀው፡ ሚገል ገበን ናብ ምፍጻም ጠሪሱ ኣይተመልሰን።