ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

እሱራት ሓገዝ ረኺቦም

እሱራት ሓገዝ ረኺቦም

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ እተፈላለየ መአረሚ ትካላት ዚርከቡ እሱራት፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪረኽቡ ንምሕታት ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መዓልቲ መዓልቲ ደብዳበታት ይጽሕፉ እዮም።

ንሕና ድማ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘለዋ ጉባኤታት ዚርከቡ ኣገልገልቲ፡ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ሆስፒታላት ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ መአረሚ መንእሰያት፡ ከምኡ እውን ከም ሓሽሽን ካልእ ወልፍታትን ዘለዎም ኣብ ዚሕገዙሉ ቦታታት ዚርከቡ ሰባት ኪበጽሕዎምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎምን ምድላዋት ንገብር ኢና።

ኣብ ገሊኡ ቤት ማእሰርቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስሩዕ ኣኼባታት ጉባኤ ይመርሑ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ክልተ ቦታታት ኣብ እተዳለወ ህዝባዊ ትምህርቲ፡ 32 ሰባት ተረኺቦም እዮም።

እቲ እተረኽበ ውጽኢት ድማ ዜተባብዕ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ኢንድያና ህይወት ሰብ ብምጥፋኡ ዕድመ ይፍታሕ እተፈርዶ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ባህርያቱ ኣወንታዊ ለውጥታት ገይሩ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠሚቑ እዩ።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዚርከብ ዓብዪ ቤት ማእሰርቲ እተኣስረ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሉ እዩ፣ ብዛዕባኡ ድማ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበሮ ባህርያትን ድሕሪኡ ዝገበሮ ምምሕያሽን ርእየ እየ። ምእንቲ ኺጥመቕ ዓብዪ ለውጥታት እዩ ገይሩ” ይብል።

ብዙሓት እሱራት ዋላ እኳ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዜእትዋ ይኹን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ሓቂ ተቐቢሎምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ምስ ጕጅለ ዓዋሉ ዝነበሮም ሕብረት ምቍራጾም ንድሕንነቶም ኣስጋኢ ስለ ዝዀነ፡ ተገሊሎም ተኣሲሮም ወይ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ግዒዞም እዮም።

ሰበ ስልጣን ቤት ማእሰርቲ፡ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ሰባት ኣብ ምቕያር ዘለዎ ሓይሊ ተደኒቖም እዮም። ገሊኦም፡ ስለቲ ኣብ መአረሚ ትካላት ዝገበርዎ ጸቡቕ ዕዮ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣድናቖት ወረቐት ምስክርን ንወለንተኛታት ዚውሃብ ሽልማትን ሂቦምዎም እዮም።