ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓደ ሚልዮን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚኸውን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ

ንሓደ ሚልዮን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚኸውን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ

ካብ 1999 ክሳዕ 2015 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማእከላይ ኣመሪካን a መክሲኮን ልዕሊ 5,000 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሃኒጾም እዮም። ኣብተን ሃገራት ንዚርከቡ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣብ ኣኼባታትና ንዚእከቡ ኻልኦት ሰባትን ዚኸውን ልዕሊ 700 ተወሰኽቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜድሊ።

ኣብ ዝሓለፋ እዋናት፡ ኣብዘን ሃገራት እዚአን ዚርከባ ጉባኤታት ናይ ኣምልኾ ቦታ ምህናጽ ከቢድወን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መንበሪ ኣባይቲ እዮም ኣኼባታት ዚገብሩ ነይሮም። ስለምንታይ፧ ንሓያሎ ዓመታት ዝነበረ ሕጊ እታ ሃገር፡ ሃይማኖታውያን ውድባት ንብረት ኪውንና ኣይፈቅድን እዩ ነይሩ። ብ1990ታት ግና፡ እቲ ሕጊ ተለዊጡ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብዙሕ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹ ጀሚሮም። እቲ ህንጸት ኣዳራሻት ግና ሓያሎ ኣዋርሕ ዚወስድ እዩ ነይሩ።

ቅልጡፍ ዕቤት

ይኹን እምበር፡ ብ1999 ጕጅለታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ እቲ ድሩት ዓቕሚ ንዘለወን ከም እኒ መክሲኮን ካልኦት ሸውዓት ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ተባሂሉ እተዳለወ ሓድሽ መደብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይነን ኪዓይያ ምስ ጀመራ፡ እቲ ህንጸት ተቐላጢፉ እዩ። ካብ 2010 ኣትሒዙ ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መክሲኮ ኣብተን ሃገራት ንዚግበር ዕዮ ህንጸት ይቈጻጸሮ ኣሎ።

ኣገልገልቲ ዕዮ ህንጸት ኣብ ግሉል ከባቢ ኸይዶም ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹ ኸለዉ ፍሉይ ብድሆታት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ፓናማ ዝዓየዩ ኣገልገልቲ ሰለስተ ሰዓት ብጃልባ ኣብ ባሕሪ ተጓዒዞም እዮም ናብቲ ፕሮጀክት ህንጸት ዚበጽሑ ነይሮም። ኣብ ቺኣፓስ ግዝኣት መክሲኮ ጕጅለ ህንጸት ድማ፡ ናውቲ ህንጸት ናብ ግሉል ከባቢ ንምጕዕዓዝ ንእሽቶ ነፋሪት ተጠቒሞም እዮም።

ጥቕሚ ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ከባቢኦም እተሃንጸ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪርእዩ ይህንጠዩ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሆንዱራስ ዚነብር ሰብኣይ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ከባቢኡ እተሰርሓሉ ቦታ ኻልኦት ሰባት ክበብ ለይታዊ ትልሂት ኪሃንጹ ሓሲቦም ከም ዝነበሩ ገሊጹ። ንሱ ግና ባህ ኣይበሎን ነይሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ቦታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹ ኸም ዝሓሰቡ ምስ ነገርዎ ድማ፡ “ተባሪኽና!” ኢሉ ብሓጐስ ጨደረ።

ኣብ ሓያሎ ቦታታት ዚነብሩ ሰባት፡ ትግሃት እቶም ዓየይቲ ምስ ረኣዩ፡ ተደኒቖም እዮም። ኣብ ጓተማላ ዚነብር ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ፦ “ብባህልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክሽነ ጥራይ እየን ዚሰርሓ። ኣብዚ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ግና ማዕረ ሰብኡት እየን ዚሰርሓ። ብሓጺን መቓን ኪሰርሓን መናድቕ ኪልስናን ምስ ረኣኹ ደንጽዩኒ እዩ። ዜገርም እዩ!” ገሊኦም ጐረባብቲ ድማ ንሰራሕተኛታት ህንጸት ዚብላዕን ዚስተን ዓዲጎምሎም እዮም።

ሓያሎ ሰባት ከኣ ብንድፊ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተመሲጦም እዮም። ኣብ ኒከራግዋ ዚነብር መሃንድስ ንከንቲባ ሓንቲ ኸተማ፡ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብብሉጽ ናውቲ እተሃንጸ ውቁብ ህንጻ ምዃኑ ነጊርዎ እዩ። ወረግ፡ ኣብታ ኸተማ ኻብ ዘሎ ህንጻታት ኣዝዩ ዝበለጸ ደረጃ ጽሬት ከም ዘለዎ እውን ገሊጹ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እንተ ዀኑ፡ ዚምሽእ ቦታ ኣምልኾ ኺረኽቡ ኸለው ባህ ይብሎም እዩ። ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተሃንጸ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚእከቡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚውስኽ ኣስተብሂሎም እዮም። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንዝሃነጹ ሰራሕተኛታት ህንጸት ዝሓገዘ ኣባል ሓንቲ ኣብ መክሲኮ እትርከብ ጉባኤ፡ “የሆዋ ንስሙ ውዳሰን ክብርን ዚህብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሃንጽ ፍሉይ መሰል ስለ ዝሃበና ነመስግኖ ኢና!” በለ። ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ከምኡ እዩ ዚስምዖም።

a ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ኸም ዚገልጾ፡ ሃገራት ማእከላይ ኣመሪካ ዚብሃላ፡ ሪፓብሊካት ጓተማላ፡ ኤል ሳልቫዶር፡ ሆንዱራስ፡ ኒከራግዋ፡ ኮስታ ሪካ፡ ፓናማ፡ በሊዝ እየን።