ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክሳዕ ሕጂ ሓደ ሽሕ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ

ክሳዕ ሕጂ ሓደ ሽሕ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ

ኣብ ነሓሰ 2013፡ ኣብ ፊሊፒንስ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ፍሉይ መደብ ህንጸት፡ መበል ሽሕ ኣዳራሽ መንግስቲ ብምህናጾም ታሪኽ ሰሪሖም እዮም። ኣብ ፊሊፒንስ ዚርከባ ጉባኤታት፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከም ዚርከባ ጉባኤታት፡ ናይ ርእሰን ቀዋሚ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ሓገዝ ንምህናጽ ዜኽእል ገንዘብ ኰነ ተመክሮ ኣይነበረንን። ንሓያሎ ዓመታት፡ ገሊኦም ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ፡ ገሊኦም ከኣ ብኣርቃይ ኣብ እተሰርሐ ንእሽቶ መጽለሊ እዮም ዚእከቡ ነይሮም።

ኣብ ፊሊፒንስን ኣብ ሓያሎ ኻልኦት ሃገራትን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናበዝሑ ይኸዱ ስለ ዘለዉ ግና፡ ተወሳኺ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ ኣድልዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብ1999 ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብተን ዓቕመን ድሩት ዝዀነ ሃገራት ዚትግበር መደብ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቚሙ። ኣብ ትሕቲ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ኣብተን ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዓቕሞም ገንዘብ የዋጽኡ፣ ካብ ካልኦት ሃገራት እተወፈየ ገንዘብ ከኣ ንዕኡ ይውሰኾ። ዝሰልጠኑ ኣገልገልቲ ህንጸት ድማ በብጕጅለ ተወዲቦም ነተን ጉባኤታት ነናተን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጻ ይሕግዝወን። ኣብ ሕዳር 2001፡ እዚ ዓለምለኻዊ መደብ እዚ ኣብ ፊሊፒንስ ተጀሚሩ።

ኢሉሚናዶ ኣባል እታ መበል ሽሕ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተሃንጸላ ኣብ ማሪሎ ቡላካን እትርከብ ጉባኤ እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ክርስትያናዊ ሕውነት ብሓቂ ርእየዮ እየ። ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ወለንተኛታት ኰይኖም ዓይዮም እዮም። ኣብ ትሕቲ እተንድድ ጸሓይ ብሓባር ዓዪና ኢና። ምሉእ መዓልቲ ድሕሪ ምስራሕና ንደክም እኳ እንተ ነበርና፡ ብሓባር ዝዓመምናዮ ኽንርኢ ኸለና ግና ንሕጐስ ኔርና ኢና።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ብጻዕሪ እቶም ወለንተኛታት ተደኒቖም እዮም። ዋና ሓንቲ ናብቲ ቦታ እቲ ሑጻን ኰረትን ዘመላለሰት ማኪና፡ “ከም ጻጸ ኢኹም፡—ክንደይከ ትበዝሑ! ኵላትኩም ትተሓጋገዙ ኣለኹም። ከምዚ ርእየ ኣይፈልጥን እየ” በለ።

እታ እተወድአት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

እቶም ወለንተኛታት ነቲ ህንጸት ካብቲ ኺሃንጹ ዝጀመሩሉ ኣትሒዞም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን እዮም ዛዚሞምዎ። ኣባላት እታ ጉባኤ ነታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕልጡፍ ብምህናጾም፡ ኣብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምብሳር ኣገዳሲ ዕዮ ዝነበሮም ምሉእ ተሳትፎ ኣይተጐናደበን።—ማቴዎስ 24:14

ካልእ ኣባል እታ ጉባኤ ዝዀነት ኢለን እውን ከምዚ በለት፦ “እታ ናይ ቀደም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ትጸብበና እያ ነይራ፣ ብዙሓት እውን ኣብ ደገ ኾፍ ይብሉ ነይሮም። እዛ ሓዳስ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ውቅብትን ዝያዳ ምሽእትን እያ። ስለዚ፡ ካብቲ ኣብ ኣኼባታትና ዚቐርበልና ትምህርትን መተባብዕን ኵላትና ብዝያዳ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።”

ዝያዳ ፍለጥ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)

ፈትዮም ይመጹ—ፊሊፒንስ

ገሊኣቶም ንስራሖም ሓዲጎምን ንንብረቶም ሸይጦምን፡ ኣብ ፊሊፒንስ ናብ ዚርከብ ግሉል ቦታ ንኺግዕዙ ዝደረኾም እንታይ ምዃኑ ፍለጥ።