ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድያብሎስ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ድዩ፧

ድያብሎስ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ፡ ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ። ንሱ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” እዩ፣ እኩይን ካብ ኣምላኽ ዝዓለወን መንፈሳዊ ፍጡር እውን እዩ። (ዮሃንስ 14:30፣ ኤፌሶን 6:11, 12) መጽሓፍ ቅዱስ ንባህርያት ድያብሎስ ንምግላጽ ነዚ ዚስዕብ ስማትን መግለጺታትን ይጥቀም፦

እኩይ ባህርይ ኣይኰነን

 ገሊኦም ሰባት ንሰይጣን ድያብሎስ፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ እኩይ ባህርይ ገይሮም እዮም ዚሓስብዎ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽን ሰይጣንን ከም እተዘራረቡ ይገልጽ እዩ። ኣምላኽ ፍጹም ስለ ዝዀነ ኣብ ውሽጡ ኼዘራርቦ ዚኽእል እከይ ባህርይ የብሉን። (ዘዳግም 32:4፣ እዮብ 2:1-6) ብተመሳሳሊ፡ ሰይጣን ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ የሱስ ፈቲንዎ እዩ። (ማቴዎስ 4:8-10፣ 1 ዮሃንስ 3:5) ስለዚ፡ ድያብሎስ ዘሎ ኣካል እምበር ንእከይ ባህርይ ከም ዘይገልጽ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

 ብዙሓት ሰባት፡ ድያብሎስ ናይ ሓቂ ኣካል ኣለዎ ኢሎም ዘይምእማኖም ኬገርመና ይግባእ ድዩ፧ ኬገርመና የብሉን፣ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን ዕላማኡ ንምፍጻም ከም ዜታልል ይገልጽ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10) ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዚጥቀመሉ ሜላታት ብዙሓት ሰባት ህላወኡ ንኸይኣምኑ ብምዕዋር እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:4

ብዛዕባ ድያብሎስ ተወሳኺ ግጉይ ርድኢት

  ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ “ንሰባት ንምቕጻዕ” ብሰይጣን ይጥቀም።

 ሓቂ፦ ድያብሎስ ጸላኢ ኣምላኽ እምበር ኣገልጋሊኡ ኣይኰነን። ሰይጣን ድያብሎስ ነቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ሰባት ይጻረሮምን ብሓሶት ይኸሶምን እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:8፣ ራእይ 12:10