2 ተሰሎንቄ 2:1-17
2 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ እቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉን+ ንሕና ናብኡ እንእከበሉን እዋን፡+ እዚ ንልምነኩም ኣለና፦
2 መዓልቲ የሆዋ*+ መጺኣ ኣላ ኢልኩም፡ ብድራኸ መንፈስ ብዚዝረብ ዘረባ፡*+ ወይ ብቓል፡ ወይ ካባና ብእትመስል ደብዳበ፡ ካብ ሓሳብኩም ቀልጢፍኩም ኣይትናወጹ፡ ወይ እውን ኣይትሰምብዱ።
3 ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡+ እቲ ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብ፡+ እቲ ወዲ ጥፍኣት+ ድማ ከይተገልጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ስለ ዘይትመጽእ፡ ብዝዀነ ይኹን ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም።
4 ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ እናኣርኣየ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምእንቲ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ኣብ ዚብሃል ወይ ኣብ ዚምለኽ ዘበለ ዅሉ ርእሱ ልዕል ዜብል ተጻራሪ እዩ።
5 ኣነ ገና ምሳኻትኩም ከለኹ፡ እዚ እነግረኩም ከም ዝነበርኩ ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧
6 ብግዜኡ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኢኹም።
7 ምስጢር እዚ ጥሕሰት ሕጊ እዝስ ይዓዪ ኣሎ፣+ እዚ ግና፡ እቲ ዚኽልክሎ ዘሎ ኻብ መገዱ ኽሳዕ ዜልግስ ጥራይ እዩ።
8 ሽዑ ኸኣ፡ እቲ ጠሓስ ሕጊ ኺግለጽ እዩ፣ ንዕኡ እውን ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ኼጥፍኦን+ ብምግሃድ እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከንቱ ኺገብሮን እዩ።+
9 እቲ ጠሓስ ሕጊ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ግና፡ ብዅሉ ግብሪ ሓይልን ብናይ ሓሶት ትእምርትታትን ተኣምራትን+ ብተግባር ሰይጣን+ እዩ ዚኸውን፣
10 እቶም ዚጠፍኡ፡ ንድሕነቶም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ ድማ፡ ሽዑ ንዓታቶም ከም ፍዳ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ+ የታልሎም እዩ።
11 ስለዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ፡ ንሓሶት ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ብዜታልል ጽልዋ ኺስሕቱ ዝሓደጎም፣+
12 ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ንሓቂ ስለ ዘይኣመኑ፡ የግዳስ ብዓመጻ ባህ ስለ ዝበሎም፡ ኵሎም ምእንቲ ኺፍረዱ እዩ።
13 ግናኸ፡ ኣቱም ብየሆዋ* እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ብመንፈሱ ብምቕዳስን+ በታ ኣብ ሓቂ ዘላትኩም እምነትን ንድሕነት ስለ ዝሓረየኩም፡+ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ።
14 ክብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ በቲ ዘበሰርናኩም ብስራት ገይሩ ናብዚ ጸዊዑኩም እዩ።+
15 እምበኣር፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጽንዑ፡+ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳበታትና እተመሃርኩምዎ ስርዓታት ሓዝዎ።+
16 ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረና፡+ ብጸጋ እውን ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን+ ዝሃበና ኣቦና ኣምላኽን
17 ብዅሉ ሰናይ ግብርን ብቓልን ንልብኹም የጸናንዕዎን የጽንዕዎን።*
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “የበርትዕዎን።”

