ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቦታ ንስሓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ ድዩ፧

ቦታ ንስሓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቦታ ንስሓ” ዚብል ቃላት ኣይርከብን እዩ፣ ነፍሲ ምዉታት ኣብ ቦታ ንስሓ ኸም ዚነጽህ እውን ኣይምህርን እዩ። a መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣትን ሞትን እንታይ ከም ዚምህር፡ ምስ ሰረተ እምነት ቦታ ንስሓ ድማ ብኸመይ ከም ዚጋጮ እስከ ንርአ።

  •   ንሓደ ሰብ ካብ ሓጢኣት ዜንጽሆ፡ ኣብ ደም የሱስ ዘለዎ እምነት እምበር፡ ኣብ ቦታ ንስሓ ዜሕልፎ ግዜ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ደም የሱስ ወዱ [ወዲ ኣምላኽ] እውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ” ይብል፡ “የሱስ ክርስቶስ . . . ካብ ሓጢኣትና ብደሙ ሓራ ዘውጽኣና” ኸም ዝዀነ ድማ ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 1:7፣ ራእይ 1:5) የሱስ፡ ዋጋ ሓጢኣት ሰባት ንምኽፋል፡ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኣሕሊፉ’ እዩ።—ማቴዎስ 20:28

  •   ምዉታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።” (መክብብ 9:5) ምዉት ዋላ ሓንቲ ኪስምዖ ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ፡ ብሓዊ ቦታ ንስሓ ኺነጽህ ኣይክእልን እዩ።

  •   ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኣይቅጻዕን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡” ከምኡ ድማ “እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ” ይብል። (ሮሜ 6:7, 23) ሞት፡ ምሉእ መቕጻዕቲ ሓጢኣት እዩ።

a ኦርፈዩስ፡ ኤ ጀነራል ሂስትሪ ኦቭ ረሊጅንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ቦታ ንስሓ፡ “ኣብ ወንጌላት ብዛዕባኡ ዚገልጽ ቃል የልቦን” ትብል። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ድማ፡ “እቲ ሰረተ እምነት ካቶሊክ ዝዀነ ቦታ ንስሓ፡ ኣብ ትውፊት ደኣ እምበር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ኣይኰነን” ይብል።—ካልኣይ ሕታም፡ ጥራዝ 11፡ ገጽ 825።

b ኣብ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ ካልኣይ ሕታም፡ ጥራዝ 11፡ ገጽ 824 ርአ።