ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነፍሲ እንታይ እያ፧

ነፍሲ እንታይ እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ብእብራይስጢ ነፈሽ፡ ብግሪኽኛ ኸኣ ፕሲኺ ትብሃል። እታ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ዜስተንፍስ ፍጡር ማለት እያ፣” እታ ናይ ግሪኽ ቃል ከኣ “ህያው ሰብ” a ማለት እያ። እምበኣር፡ ነፍሲ ኺብሃል ከሎ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘላን ድሕሪ ሞት ካብ ሰብነት ተፈልያ እትነብር ዘይኰነትስ፡ እቲ ሰብ ባዕሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ እቲ ሰብ ባዕሉ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዚገልጽ ንርኣ።

ኣዳም፡ ነፍሲ ተዋሂብዎ ዘይኰነስ፡ “ህያው ነፍሲ” ወይ ሰብ እዩ ዀይኑ

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርያ ሰብ፡ ማለት ኣዳም ኪፈጥሮ ኸሎ፡ “እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:7ትርጉም 1956) ኣዳም፡ ነፍሲ ተዋሂብዎ ዘይኰነስ፡ ህያው ነፍሲ ወይ ሰብ እዩ ዀይኑ።

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ፡ ክትሰርሕ፡ ምግቢ ሃረር ክትብል፡ ክትበልዕ፡ ሕጊ ኽትእዘዝ፡ ሬሳ ኽትትንኪ ኸም እትኽእል ይገልጽ። (ዘሌዋውያን 5:2፣ 7:20፣ 23:30፣ ዘዳግም 12:20፣ ሮሜ 13:1) ነዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ነገር ዘይኰነስ፡ እቲ ሰብ ባዕሉ ዚገብሮ እዩ።

ነፍሲ ዘይትመውት ድያ፧

 ኣይፋልን፡ ነፍሲ ትመውት እያ። ብዙሕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ኸም እትመውት እዩ ዚሕብር። ብዛዕባ እዚ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

  •   “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።”—ህዝቅኤል 18:4, 20ትርጉም 1956።

  •   ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ከቢድ ሓጢኣት ንዝፈጸመ እታ ነፍሲ እቲኣ “ኽትቍረጽ” ዚእዝዝ ሕጊ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 12:15, 19ትርጉም 1956፣ ዘሌዋውያን 7:20, 21, 27፣ 19:8) ስለዚ፡ እቲ ሰብ ‘ይቕተል’ ነበረ።—ዘጸኣት 31:14

  •   ኣብ ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሬሳ፡ “ምውትቲ ነፍሲ” ተባሂሉ ኣሎ። (ዘሌዋውያን 21:11፡ እግረ-ጽሑፍ፣ ዘሁልቍ 6:6፡ እግረ-ጽሑፍ) ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነተን፡ “ምዉት ሰብነት” ወይ “ምዉት ሰብ” ዚብላ ቓላት ዚጥቀም እኳ እንተዀነ፡ ኣብ በኹሪ እብራይስጢ ግና ነፈሽ ወይ “ነፍሲ” የብል።

“ነፍሲ” “ህይወት” ማለት እዩ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ን“ህይወት” ንምምልካት እውን ይጥቀመላ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዮብ 33:22 እታ “ነፍሲ” (ነፈሽ) እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ማዕረ ማዕረ “ህይወት” ተጠቒሳ ኣላ። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ሰብ ወይ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኽትኣቱ ወይ ክትቕተል ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ።—ዘጸኣት 4:19፣ መሳፍንቲ 9:17፣ ፊልጲ 2:30

 እታ ህይወት እትብል ቓል ንነፍሲ እውን ከም እተመልክት ምፍላጥና፡ ነቲ ብዛዕባ ነፍሲ “ምውጻእ” ዚገልጽ ጥቕስታት ክንርድኦ ይሕግዘና። (ዘፍጥረት 35:18ትርጉም 1956) እዚ ምሳልያዊ ዘረባ እዚ፡ እቲ ሰብ ህይወቱ ኸም ዝሓለፈት የመልክት። ገሊኡ ትርጉማት ንዘፍጥረት 35:18፡ “ናይ መወዳእታ እስትንፋሳ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።—ኔው ጀሩሳሌም ባይብል።

‘ነፍሲ ኣይትመውትን እያ’ ዚብል ትምህርቲ ኻበይ እዩ መጺኡ፧

 እተን ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ኢለን ዚኣምና ሃይማኖታት ክርስትና፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ፡ ካብ ጥንታዊ ፍልስፍና ግሪኽ እየን ወሲደናኦ። ብዛዕባ እዚ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ምስ እስትንፋስ ተተሓሒዙ እዩ ተገሊጹ። ናብ ሰማይ ተፈልያ እትኸይድ ነፍስን ኣብ ምድሪ ዚተርፍ ስጋን ከም ዘሎ ኣይጠቅስን እዩ። መበቈል እቲ ስጋን ነፍስን እተፈላለየ እዩ ዚብል ትምህርቲ ጥንታዊ ግሪኽ እዩ።”

 ኣምላኽ ንትምህርትታቱ ኸም ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ምስ ዚብል ሰብኣዊ ፍልስፍናታት ኪተሓዋወስ ኣይደልን እዩ። እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “በቲ ኣብ ስርዓት ሰብ . . . እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” ይብል እዩ።—ቈሎሴ 2:8

a ዘ ኒው ብራውን ድራይቨር ኤንድ ብሪግስ ሂብሪው ኤንድ ኢንግሊሽ ሌክሲከን ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት ኣብ ገጽ  627 ርአ። ኣብ ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ እተን ነፈሽፕስኺን ዚብላ ቓላት ከከም ኣሰዃዅዓአን “ነፍሲ፡” “ህይወት፡” “ሰብ፡” “ፍጡር፡” ወይ “ሰብነት” ተባሂለን ተተርጒመን ኣለዋ።