ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕረተ ቕትለት እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕረተ ቕትለት እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕረተ ቕትለት ወይ ኤውሳናዝያ ብዝርዝር ኣይገልጽን እዩ። a ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ዚብሎ ነገር ግና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ይሕግዘና እዩ። ቅትለት ቅቡል ኣይኰነን፣ ሓደ ሰብ ኣብ ዚሞተሉ እዋን ግና ህይወቱ ንምንዋሕ መጠኑ ዝሓለፈ ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።

 መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ፡ ፈጣሪ ወይ “ምንጪ ህይወት” ከም ዝዀነ ገይሩ ይገልጾ እዩ። (መዝሙር 36:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:28) ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ ህይወት ኣዝያ ኽብርቲ እያ። ስለዚ ድማ፡ ህይወት ካልእ ሰብ ኰነ ህይወት ገዛእ ርእስኻ ምቕታል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኣይኰነን። (ዘጸኣት 20:13፣ 1 ዮሃንስ 3:15) ብተወሳኺ ድማ፡ ንህይወትናን ንህይወት ካልኦትን ንምዕቋብ፡ ግቡእ ጥንቃቐታት ክንገብር ከም ዚግባእ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 22:8) ብንጹር እምበኣር፡ ኣምላኽ፡ ንህይወት ኣኽብሮት ኪህልወና ይደልየና እዩ።

ሓደ ሰብ ዘይምሕር ሕማም እንተ ሓሚሙኸ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ሞት ከተምልጠሉ ኣብ ዘይትኽእል ኵነታት እኳ ህይወት ከተጥፍእ ኣይፈቅድን እዩ። ንኣብነት፡ ንሳኦል ንጉስ እስራኤል ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ኣብ ውግእ ብኸቢድ ምስ ቈሰለ፡ ንጊልያኡ ናብኡ ቐሪቡ ኪቐትሎ ሓተቶ። (1 ሳሙኤል 31:3, 4) እቲ ጊልያ ሳኦል ግና ኣበየ። እንተዀነ ግና፡ ካልእ ሰብኣይ ከምቲ ሳኦል ዝበሎ ኸም ዝገበረ ብሓሶት ተዛረበ። ዳዊት ከኣ ነቲ ሰብኣይ እቲ ብደም ተሓታቲ ገበሮ፣ ዳዊት ኣብቲ ጕዳይ እቲ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እዩ ኣንጸባሪቑ።—2 ሳሙኤል 1:6-16

ዝኸፈልካ ኸፊልካ ህይወት ኪናዋሕ ኣለዎ ድዩ፧

 ሓደ ሰብ ናብ ሞቱ ኸም ዝቐረበ ንጹር ኪኸውን ከሎ፡ ንመስርሕ ሞቱ ኸነናውሖ ኸም ዘሎና ገይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይምህርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዚህብ። ሞት ዓብዪ ጸላኢና እዩ፣ ሓጢኣት ዘስዓቦ ሳዕቤን እውን እዩ። (ሮሜ 5:12፣ 1 ቈረንቶስ 15:26) ንሞት ብሃንቀውታ እንጽበዮ እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ስለ ዘተስፈወ፡ ኣይንፈርሆን ኢና። (ዮሃንስ 6:39, 40) ንህይወት ኣኽብሮት ዘለዎ ሰብ፡ ብሉጽ ዓይነት ሕክምና የናዲ እዩ። ከምኡ ምግባር ኪብሃል ከሎ ግና፡ መስርሕ ሞት ዜናውሕ ሕክምና ይገብር ማለት ኣይኰነን።

ርእሰ ቕትለት ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ድዩ፧

 ኣይኰነን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንርእሰ ቕትለት ምስቲ ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ኣይዝርዝሮን እዩ። ርእሰ ቕትለት ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ዀነ፡ b ኣምላኽ ነቲ ንርእሰ ቕትለት ኣበርክቶ ኺገብር ዚኽእል ከም ኣእምሮኣዊ ሕማም፡ ብርቱዕ ውጥረት፡ ወይ ጂናዊ ባህርያት ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ እዩ። (መዝሙር 103:13, 14) ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ጭንቂ ዘለዉ የጸናንዖም እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እዚ ኸኣ ነቶም ከቢድ ጌጋታት ዝገበሩ ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ርእሰ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘሎ እዩ ዜርኢ።

a ምሕረተ ቕትለት ወይ ኤውሳናዝያ እምብዛ ንዝሓመመ ወይ ንእተጐድአ ሰብ ካብ ስቓዩ ንምግልጋል ተባሂሉ ዚግበር ቅትለት እዩ። ሓኪም ንሕሙም፡ ህይወቱ ኼጥፍእ ምስ ዚሕግዞ፡ ብደገፍ ሓኪም ዚግበር ርእሰ ቕትለት ይብሃል።

b እቶም ርእሰ ቕትለት ከም ዝፈጸሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ዝርካቦም ሒደት ሰባት፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ኣይነበሩን።—2 ሳሙኤል 17:23፣ 1 ነገስት 16:18፣ ማቴዎስ 27:3-5