7-13 ታሕሳስ

ዘሌዋውያን 10-11

7-13 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • ፍቕሪ የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ስድራ ቤት ትሕይል”፦ (10 ደቒቕ)

    • ዘሌ 10:1, 2—ናዳብን ኣቢሁን ዘይተፈቕደ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡ የሆዋ ቐዘፎም (it-1 1174)

    • ዘሌ 10:4, 5—ሬሳኦም ካብቲ ሰፈር ወጸ

    • ዘሌ 10:6, 7—የሆዋ ንኣሮንን ነቶም ካልኦት ደቁን ከይሓዝኑ ኣዘዞም (w11 15/7 31 ¶16)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)

    • ዘሌ 10:8-11—ካብዛ ጥቕሲ እንታይ ንምሃር፧ (w14 15/11 17 ¶18)

    • ዘሌ 11:8—ክርስትያናት ብሕጊ ሙሴ እተኸልከሉ እንስሳታት ኪብልዑ ይኽእሉ ድዮም፧ (it-1 111 ¶5)

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘሌ 10:1-15 (th መጽናዕቲ 10)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ቪድዮ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተቶም፦ ቴድሮስ ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ዝሰገሮ ብኸመይ እዩ፧ ንሓደ ሰብ ንመዝሙር 1:1, 2 ብኸመይ ከተብርሃሉ ትኽእል፧

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ነቲ ብዓል ቤት ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ሃቦ፡ ድሕሪኡ ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣፋሊጥካ ተመያየጠላ። (ነታ ቪድዮ ኣይትወልዓያ) (th መጽናዕቲ 20)

  • መደረ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) w11 15/2 12—ፍረ ነገር፦ እቲ ብኣልኣዛርን ብኢታማርን ተቘጢዑ ዝነበረ ሙሴ፡ ካብ ቍጥዓኡ ዝዘሓለ ብኸመይ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 12)

ክርስትያናዊ ህይወት