ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 43

ጸሎት ምስጋና

ጸሎት ምስጋና

(መዝሙር 95:2)

  1. 1. ኦ የሆዋ፡ ተቐበል ውዳሰና።

    ስምዓና ነዚ ጸሎት ምስጋና።

    ብምሉእ ልብና ነገልግለካ፡

    ኴንና ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓልዮትካ።

    ጌጋታትና ይሕብር’ዩ ድኽመትና።

    ምሕረት ንልምን ንኣበሳና።

    ምስጋና ’ኹንካ ስለ ርሕራሐኻ፣

    ምስጋና ’ኹንካ ስለ ድንጋጽካ።

  2. 2. ኣቕሪብካና’ኻ ’ሞ ነመስግነካ፣

    ስለ ፍቕርኻ፡ ስለ ለውሃትካ።

    ምሃረና ምእንቲ ኽንፈልጠካ፣

    ኣስተምህረና’ውን መገድኻ።

    ነመስግነካ ስለቲ መንፈስካ፣

    ተቢዕና ኢና ሳላ ሓይልኻ።

    ኦ ኣምላኽ፡ ትሑት ልቢ ፍጠረልና፡

    ከነገልግለካ ተሓጒስና።

(መዝ. 65:2, 4, 11፣ ፊል. 4:6 እውን ርአ።)