ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 32

ወግን ምስ የሆዋ!

ወግን ምስ የሆዋ!

(ዘጸኣት 32:26)

  1. 1. ቀደም ተደናጊርና ’ና ኔርና፣

    ጽዋእ ሓሶት ሃይማኖት ሰቲና፣

    ብስራት መንግስቲ ምስ ሰማዕና፡

    ተሓጒሱ ልብና።

    (ኣዝማች)

    ወግን ምስ የሆዋ፡ ብ’ኡ ተኣመን፣

    ኣይኪገድፈካን’ዩ፡ ኣይኪሓድገካን።

    ብስራት ኣበስር፡ ብስራት ሰላም፣

    ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ንቕድሚት ሰጕም።

  2. 2. ቌምና ’ለና ኣብ ጐድኒ ኣምላኽና፣

    ብስራት መንግስቲ ’ናኣወጅና።

    ኣኺሉ’ዩ ዅሉ ዚሓርየሉ፣

    መትከሉ ዜፍልጠሉ።

    (ኣዝማች)

    ወግን ምስ የሆዋ፡ ብ’ኡ ተኣመን፣

    ኣይኪገድፈካን’ዩ፡ ኣይኪሓድገካን።

    ብስራት ኣበስር፡ ብስራት ሰላም፣

    ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ንቕድሚት ሰጕም።

  3. 3. ኣየፍርሃናን’ዩ ውዲት ሰይጣን፣

    ብየሆዋ ኢና እንእመን።

    ሒደት እኳ ’ተ ዀነ ቝጽርና፡

    የሆዋ’ዩ ሓይልና።

    (ኣዝማች)

    ወግን ምስ የሆዋ፡ ብ’ኡ ተኣመን፣

    ኣይኪገድፈካን’ዩ፡ ኣይኪሓድገካን።

    ብስራት ኣበስር፡ ብስራት ሰላም፣

    ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ንቕድሚት ሰጕም።