ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ጽቡቕ ደብዳበ ጽሓፍ

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ጽቡቕ ደብዳበ ጽሓፍ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቀዳማይ ቈረንቶስ ሓንቲ ኻብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ንምትብባዕ ኢሉ ዝጸሓፈን 14 ደብዳበታት እያ። ሓደ ደብዳበ ዚጽሕፍ ሰብ ቃላቱ ብጥንቃቐ ኺመርጽ ኣጋጣሚ ኣለዎ፣ እቲ ደብዳበ ድማ በቲ ተቐባሊ ብተደጋጋሚ ኺንበብ ይኽእል እዩ። ደብዳበታት ንኣዝማድናን ንፈተውትናን ምስክርነት እንህበሉ ጽቡቕ መገዲ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ብኣካል ከነዛራርቦም ዘይንኽእል ሰባት ምስክርነት ንምሃብ ውጽኢታዊ መገዲ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ኣብ ቤቱ ኽንረኽቦ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ኺዕየ ኣብ ዘይከኣል ልዑል ሓለዋ ዘለዎ ህንጻታትን እተሓጽረ ኣባይትን ወይ ኣብ ግሉል ቦታታት ይነብሩ ይዀኑ። ብፍላይ ንሓደ ዘይንፈልጦ ሰብ ደብዳበ ኽንጽሕፍ ከለና፡ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘለና ገለ ነገራት እንታይ እዩ፧

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ብኣካል እንተ እትረኽቦ ኽትዛረቦ እተደሊ ነገር ጽሓፈሉ። ኣብ መእተዊ ደብዳበኻ ርእስኻ ኣፋልጥ፡ ስለምንታይ እዛ ደብዳበ ትጽሕፈሉ ኸም ዘለኻ ድማ ኣነጽር። ሓንቲ ኺሓስበላ ዚኽእል ሕቶ ኽትሓትቶ፡ ብዛዕባኣ እውን ወብ ሳይትና ኽትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ (ኣብዚ ግዜ እዚ ብትግርኛ ኣይርከብን እዩ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ መደብ፡ ወይ ካብቲ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ጽሑፋትና ገለ ኣርእስቲ ምዕራፋት ጥቐስ። ኣብ ውሽጢ እታ ደብዳበ ጽሑፍ፡ ካርድ ኣድራሻ፡ ወረቐት ዕድመ ወይ ድማ ትራክት ከተእትወላ ትኽእል ኢኻ

  • ሓጺር ግበሮ። እቲ ተቐባሊ ምእንቲ ኸይስልክዮ ነታ ደብዳበ ኣይተንወሓያ።—ነታ ኣብ ገጽ 8 ዘላ ንመርኣዪ እተዳለወት ደብዳበ ርአ

  • ጌጋታት ዘይብላን ንንባብ ቀላልን ምእንቲ ኽትከውን ኣንብባ፣ ብዘይካዚ፡ ምሕዝነታዊትን ብሜላ እተጻሕፈትን ኣወንታዊትን ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ገበር እታ ደብዳበ እኹል ቴምብር ግበር