ንቕሑ!
ኣብ ክፉእ ዘመን፡ ብኸመይ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብዚ ኽፉእ ዘመን እዚ፡ ሓጐስ ንምርካብ ንጽገም ንኸውን። ሓጐስ ግና ኣብ ኵነታትና ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ ኣብ ኣረኣእያና እዩ ዚምርኰስ። ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕጉስ ልቢ ዘለዎ . . . ብቐጻሊ ድግስ ኣለዎ” ይብል። (ምሳሌ 15:15) እሞ ደኣ ዝያዳ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርአ።
ንጭንቀትካ ተዋጽኣሉ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ” ይብል።—ምሳሌ 12:25።
እምብዛ ምእንቲ ኸይትጭነቕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ንምፍላጥ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጭንቀት እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ምስ ጽምዋ ተቓለስ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 17:17።
ዕርክነትካ ብምድልዳል ምስ ጽምዋ ኽትቃለሰሉ እትኽእል ምኽሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ። ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ፡ “ንጽምዋ ብዕርክነት ተቓለሶ—መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ንኣምላኽን ንሰባትን ፍቕሪ ኣማዕብል
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ። . . . ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ይብል። a—ማቴዎስ 22:37-39።
ጸሎት ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኸነማዕብል ይሕግዘና። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ነታ ወርቃዊት ሕጊ ብምስዓብ፡ ንሰባት ፍቕሪ ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ኣብዚ ኽፉእ ዘመን እዚ፡ ሓጐስ ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ንምንታይ ዘይትምሃር፧ ከምኡ ንምግባር፡ ነቲ ብናጻ ዝቐረበ ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትፍትኖ ንዕድመካ።
a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

