ንቕሑ!

ኣብ ክፉእ ዘመን፡ ብኸመይ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ ክፉእ ዘመን፡ ብኸመይ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብዚ ኽፉእ ዘመን እዚ፡ ሓጐስ ንምርካብ ንጽገም ንኸውን። ሓጐስ ግና ኣብ ኵነታትና ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ ኣብ ኣረኣእያና እዩ ዚምርኰስ። ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕጉስ ልቢ ዘለዎ . . . ብቐጻሊ ድግስ ኣለዎ” ይብል። (ምሳሌ 15:15) እሞ ደኣ ዝያዳ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርአ።

ንጭንቀትካ ተዋጽኣሉ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ” ይብል።—ምሳሌ 12:25

ምስ ጽምዋ ተቓለስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 17:17

ንኣምላኽን ንሰባትን ፍቕሪ ኣማዕብል

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ። . . . ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ይብል። aማቴዎስ 22:37-39

  •   ጸሎት ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኸነማዕብል ይሕግዘና። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

  •   ነታ ወርቃዊት ሕጊ ብምስዓብ፡ ንሰባት ፍቕሪ ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

 ኣብዚ ኽፉእ ዘመን እዚ፡ ሓጐስ ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ንምንታይ ዘይትምሃር፧ ከምኡ ንምግባር፡ ነቲ ብናጻ ዝቐረበ ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትፍትኖ ንዕድመካ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18