ንጽምዋ ብዕርክነት ተቓለሶ—መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
ኣብ 2023፡ ጽምዋ ብዓለምለኸ ደረጃ ቐዳምነት ሂብና ኽንቃለሶ ዚግባእ ጥዕናዊ ጸገም ምዃኑ ተገሊጹ። ግናኸ፡ እዚ ቓልሲ እዚ ኺዕወት ይኽእል ድዩ፧
ሰርጀን ጀነራል ሕ.መ.ኣ. ዀይኑ ዜገልግል ዶ/ር ቪቨክ መርቲ፡ “ጽምዋን ተነጽሎን ኣብ ጥዕናና ኸቢድ ጸገም የምጽኡ እዮም” ምስ በለ፡ “ስጉምቲ ኽንወስድ ኣለና” ይብል። ብኸመይ፧ ዶ/ር ቪቨክ መርቲ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ንምድልዳል መዓልታዊ ንኣሽቱ ነገራት ብምግባር” ምዃኑ ይሕብር። a
ጽምዋ ስለ እተነጸልካ ጥራይ ዚመጽእ ስምዒት ኣይኰነን። ገሊኦም ምስ ሰባት ከለዉ እውን ጽምዋ ይስምዖም እዩ። ጠንቂ እቲ ዚስምዓና ጽምዋ ብዘየገድስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ዕርክነትና ብምድልዳል ንጽምዋ ኽንቃለሶ ዚሕግዘና ግብራዊ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ።
ሓጋዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥ። ስምዒትካ ንኻልኦት ከተካፍል ጥራይ ምድላይ ዘይኰነስ ካልኦት ኪዛረቡ ኸለዉ እውን ጽን ኢልካ ምስማዕ የድሊ። ንኻልኦት ዝያዳ ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርኢኻ ርክብካ እናደልደለ ኪኸይድ እዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4።
ምስ እተፈላለዩ ሰባት ተዓራረኽ። ካባኻ ምስ ዚዓብዩ ዀነ ዚንእሱ ወይ ካብ ናትካ እተፈልየ ባህላዊ ድሕረ ባይታ ይኹን እተፈልየ ዜግነት ምስ ዘለዎም ሰባት ክትተዓራረኽ ድሉው ኵን።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ልብኹም ጋህ ኣብሉ።”—2 ቈረንቶስ 6:13።
ምስ ካልኦት ርክብካ ብኸመይ ከም እተደልድል ንምፍላጥ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ “Satisfying Our Hunger for Friendship” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
a Our Epidemic of Loneliness and Isolation: The U.S. Surgeon General’s Advisory on the Healing Effects of Social Connection and Community, 2023.