ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመጠን እትሰትዮ ኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

ንመጠን እትሰትዮ ኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

 ገሊኦም ሰባት፡ ኪጭነቑ፡ ጽምዋ ኪስምዖም፡ ወይ ኪስልክዮም ከሎ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ። ንስኻኸ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ እትሰትዮ ዝነበርካ ንላዕሊ ዲኻ እትሰቲ፧ ዝያዳ ትሰቲ እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ኸይከውን ወይ ወልፊ ኸይሕዘካ፡ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧ ንምቍጽጻሩ ኺሕግዘካ ዚኽእል ገለ ግብራዊ ምኽሪ እስከ ርአ።

 መጢንካ ምስታይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ካብቶም ብዙሕ ወይኒ ዚሰትዩ፡ . . . ኣይትኹን።”—ምሳሌ 23:20

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ኣይክልክልን እዩ። (መክብብ 9:7) ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ መጠኑ ዝሓለወ መስተን ምብዛሕ መስተን ስኽራንን ዘሎ ፍልልይ ይገልጸልና እዩ። (ሉቃስ 21:34፣ ኤፌሶን 5:18፣ ቲቶስ 2:3) ሽሕ እኳ እንተ ዘይሰኸርካ፡ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምውሳን ክእለትካ ኼዳኽሞ፡ ጥዕናኻ ኺጐድእ፡ ወይ ነቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎካ ዝምድና ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 23:29, 30

 ብዙሓት ሰበ ስልጣን፡ ነቲ ኣብ መንጎ መጠኑ ዝሓለወ ኣልኮላዊ መስተን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ዘሎ ፍልልይ፡ በቲ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ዚሰትዮ መጠንን ኣብ ሰሙን ዚሰትየለን ብዝሒ መዓልትታትን እዮም ዚግምግምዎ። a ኰይኑ ግና፡ ኣልኮላዊ መስተ ዚገብሮ ጽልዋ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ስለ ዚፈላለ፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ፈጺምካ ዘይምስታይ ይምረጽ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዚሕብሮ፦

 “ሓደ ወይ ክልተ ኣልኮላዊ መስተ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ—ንኣብነት፦

  •   ማኪና ኽትዝውር ከለኻ ወይ ማሽን ክትሕዝ ከለኻ።

  •   ንጥንስቲ ወይ ንእተጥቡ።

  •   መድሃኒት ትወስድ እንተ ኣሊኻ።

  •   ናይ ጥዕና ጸገም እንተ ኣልዩካ።

  •   መጠን እትሰትዮ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ።”

 ኣልኮላዊ መስተ ተብዝሕ ከም ዘለኻ ዜርኢ ምልክታት

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “መገድታትና ንዳህስስን ንመርምርን።”—ድጕዓ 3:40

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምስታይ ልማድካ ኣዘውቲርካ ብምምርማር፡ ዜድሊ ለውጥታት እንተ ጌርካ፡ ንርእስኻ ኻብቲ ኣልኮላዊ መስተ ኼስዕቦ ዚኽእል ጕድኣት ክትከላኸለላ ኢኻ። መጠን እትሰትዮ ኻብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ኸይከውን ንምፍላጥ፡ በዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ምልክት ጌርካ መርምር።

  •   ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ኽትሕጐስ ዘይትኽእል ምስ እትኸውን። ክትዛነ፡ ከተዕልል፡ ወይ ክትዘናጋዕ ከለኻ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ ኸም ዘሎካ ዀይኑ ይስምዓካ። ሽግርካ ኽትርስዕ ኢልካ እውን ትሰቲ።

  •   ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ትሰቲ። ኣዘውቲርካ ትሰቲ። ልዑል መጠን ኣልኮል ዘለዎ መስተ ኽትሰትን ሰብነትካ ድማ ንብዝሒ መስተ ኺጻወሮን ይጅምር።

  •   ናይ መስተ ልማድካ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ስራሕ ጸገማት እንተ ፈጢሩልካ። ንኣብነት፡ ንኣልኮላዊ መስተ ኻብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ገንዘብ ከተጥፍእ ትጅምር።

  •   መስተ ምስ ሰተኻ ሓደገኛ ውሳነታት ትገብር። ንኣብነት፡ ማኪና ትዝውር፡ ትሕምብስ፡ ወይ ከኣ ማሽን ትሕዝ ትኸውን።

  •   ካልኦት ሰባት ኣሰታትያኻ ኸም ዜተሓሳስቦም ምስ ዚገልጹልካ። ኪነግሩኻ ኸለዎ ምስምስ ተብዝሕ። ካብ ካልኦት ተሓቢእካ ትሰቲ ወይ ብዛዕባ እቲ መጠን እትሰትዮ ሓቂ ኣይትዛረብን።

  •   መስተ ደው ከተብሎ ምስ እትሽገር። መስተ ኽትንኪ ወይ ጠቕላላ ኸተቋርጽ ፈቲንካ ግና ኣይከኣልካን።

 ኣልኮላዊ መስተ ኸተቋርጽ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሓሙሽተ ምኽሪ

 1. መደብ ኣውጽእ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ።”—ምሳሌ 21:5

 ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ሰሙን ክንደይ መዓልቲ ኸም እትሰቲ መድብ። ኣብተን ዝመደብካየን መዓልትታት፡ መጠን እትሰትዮ ወስን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እውን መስተ ዘይትሰትየለን ክልተ መዓልትታት ፍለ።

 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ሓደ ትካል ግብረ ሰናይ፡ “ኣልኮላዊ መስተ ኻብ ምስታይ ኣዘውቲርካ ዕረፍቲ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ንወልፊ መስተ ኸይትቃላዕ ይሕግዘካ እዩ።”

 2. ዘውጻእካዮ መደብ ተግብሮ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ።”—2 ቈረንቶስ 8:11

 ነዚ ፈትኖ፦ እቲ እትጥቀመሉ መስተዪ ዓቐኑ እንተ ደኣ ፈሊጥካዮ፡ ክንደይ ዚኣክል ኣልኮላዊ መስተ ትሰቲ ኸም ዘለኻ ኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ። ካብ ኣልኮል ናጻ ዝዀነ እትፈትዎ ዓይነት መስተ ኣብ ቀረባኻ ግበር።

 ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ሃገራዊ ትካል ምብዛሕ መስተን ልኽፈተ መስተን፡ “እቲ እትገብሮ ንኣሽቱ ምትዕርራያት፡ ኣልኮላዊ መስተ ኼስዕቦ ኻብ ዚኽእል ጸገማት ንምቕናስ ዓብዪ ተራ ይጻወት እዩ” ይብል።

 3. ካብ ውሳነታትካ ፈልከት ኣይትበል።

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ፡ ኣይፋል ይኹን።”—ያእቆብ 5:12

 ነዚ ፈትኖ፦ ሓደ ሰብ ካብ መደብካ ወጻኢ ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ እንተ ደኣ ዓዲሙካ፡ ብትሕትና “ኣይፋል” ኢልካ ኽትምልስ እተዳለኻ ኹን።

 እቲ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ሃገራዊ ትካል ምብዛሕ መስተን ልኽፈተ መስተን፡ “ንዚቐርበልካ ዕድመ ቀልጢፍካ ምላሽ ትህብ እንተ ዄንካ፡ ከይትጥዓስ ኪሕግዘካ እዩ” ይብል።

 4. ኣብቲ ውሳነታትካ ዜምጽኣልካ ጥቕሚ ኣተኵር።

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ካብ መጀመርታ ነገርሲ መወዳእታኡ ይሓይሽ።”—መክብብ 7:8

 ነዚ ፈትኖ፦ እቲ መጠን እትሰትዮ ኣልኮላዊ መስተ ንምቕናስ ዝገበርካዮ ውሳነ፡ ክትቅጽሎ ዚገብረካ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ጽሓፍ። መደብ ድቃስካ ፡ ጥዕናኻ፡ ኣታዊኻ፡ ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ከም እተመሓየሸ ኣብቲ ዝርዝር ጥቐስ። ኣብቲ ዘጋጠመካ ብድሆታት ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ኣብቲ ዝረኸብካዮ ጥቕምታት ኣተኵር።

 5. ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ጸሊ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”—ፊልጲ 4:13

 ነዚ ፈትኖ፦ ናይ መስተ ልማድካ ኣዝዩ ዜተሓሳስበካ እንተ ዀይኑ፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ብርታዐን ርእሰ ግትኣትን ኪህበካ ለምኖ። b ካብ ቃል ኣምላኽ ጥበባዊ ምኽሪ ምእንቲ ኽትረክብ ግዜ መዲብካ መርምር። በቲ ኣምላኽ ዚህበካ ሓገዝ፡ መጠን እትሰትዮ ኣልኮላዊ መስተ ኽትቈጻጸሮ ኢኻ።

a ንኣብነት፡ ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ሕ.መ.ኣ.፡ “ሓንቲ ሰበይቲ፡ ኣብ መዓልቲ 4 ወይ ልዕሊኡ፡ ወይ ድማ ኣብ ሰሙን 8 ወይ ልዕሊኡ እትሰቲ እንተ ዀይና፣ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ መዓልቲ 5 ወይ ልዕሊኡ፡ ወይ ድማ ኣብ ሰሙን 15 ወይ ልዕሊኡ ዚሰቲ እንተ ዀይኑ፡” መጠኑ ዝሓለፈ መስተ እዩ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። መጠን ኣልኮላዊ መስተ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ስለ ዝፈላለ፡ ንዓኻ መጠኑ ዝሓለወ ኣልኮላዊ መስተ ኽንደይ ምዃኑ ንምፍላጥ ምስ ሓኪምካ ተዘራረብ።

b ናይ ምስታይ ልማድካ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ሞያዊ ሓገዝ እውን ከተናዲ ትኽእል ኢኻ።