መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ (2ይ ክፋል)

መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ (2ይ ክፋል)

ኣራግፍ፦

  1. 1. ኤርምያስ—ስደት እናሃለወ ሰቢኹ።

    ድጕዓ—ህዝቢ ኣምላኽ ኣመና ሓዚኖም።

    ህዝቅኤል—መጠንቀቕታ ዝሃበ ሓላዊ።

    ዳንኤል—ካብ ጕድጓድ ኣናብስ’ዩ ድሒኑ።

    ሆሴእ—ጽኑዕ ፍቕሪ ኻብ መስዋእቲ ’በልጽ።

    ዮኤል—ስም የሆዋ ዚጽውዕ ኪድሕን’ዩ።

    ኣሞጽ—ሃየ፡ እከይ ንጽላእ፡ ሰናይ ንፍቶ።

    ኦብድያ—የሆዋ ኣብ ኤዶም ዜውርዶ ጥፍኣት።

    ዮናስ—ኣብ ከብዲ ዓሳ’ዩ ተነሲሑ።

    ሚክያስ—የሆዋ ሰናይ ክንገብር ይደሊ።

    ናሆም—ውድቀት ነነዌ ዚገልጽ ትንቢት።

    ኣንባቆም—መዓልቲ የሆዋ ኣይትድንጕን።

    ጸፎንያስ—‘ታ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ።

    ሃጌ—ቅኑዓት ናብ ኣምላኽ ይስሓቡ።

    ዘካርያስ—ብዛዕባ የሱስ ትንቢት ተነብዩ።

    ሚልክያስ—ብዛዕባ ምምጻእ የሱስ ተነብዩ።

    (ኣዝማች)

    መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ’ዩ ኻብ ኵሉ።

    ያህ ሂቡና ንጥቕምና ኢሉ።

    ኵሉ ሳዕ ነንብቦ፡ ቃሉ’ውን ንስዓቦ።

    መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ’ዩ ኻብ ኵሉ።