ዓርኪ የሆዋ ኹን—ናይ ፈለማ መዝሙራት

መዕቈብየይ ኢኻ

ትግርኛ
መዕቈብየይ ኢኻ
https://cms-imgp.jw-cdn.org/img/p/501800154/univ/art/501800154_univ_sqr_xl.jpg
pkon

መዕቈብየይ ኢኻ

መዕቈብየይ ኢኻ

ኣራግፍ፦

  1. 1. ጾር ኪኸብደኒ፡

    ጓሂ ኸብክየኒ ኸሎ፣

    ቃልካ ይመርሓኒ፡

    ’ወ ብርሃን ይዀነኒ ’ዩ።

    (ኣዝማች)

    ተበርትዓኒ’ኻ፡

    የሆዋ ንጸሎተይ ሰሚዕካ።

    ኣይፈርህን እየ፡ወትሩ ኢኻ ምሳይ፣

    ኦ መዕቈቢ ኣምላኸይ።

  2. 2. ’ታ ዓባይ ኢድካ፡

    ተሐድሶ’ያ ንሓይለይ።

    ኣይፈርህን እየ፡

    ኪድረዝ’ዩ ዅሉ ንብዓተይ።

    (ኣዝማች)

    ተበርትዓኒ’ኻ፡

    የሆዋ ንጸሎተይ ሰሚዕካ።

    ኣይፈርህን እየ፡ወትሩ ኢኻ ምሳይ፣

    ኦ መዕቈቢ ኣምላኸይ።