ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 150

ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

(ጸፎንያስ 2:3)

  1. 1. ኣህዛብ ተሰሊፎም፡

    ኣንጻር ክርስቶስ ኰይኖም፣

    ኣምላኽ ኣዊጁ፡ ወሲኑ፡

    ኣብቂዑ’ዩ ግዝኣቶም።

    መንግስቲ ኣምላኽና፡

    ቈይማ’ላ ንዘልኣለም፣

    የሱስ ንጸላእቲ የሆዋ፡

    ኬልግሶም’ዩ፡ ኬጥፍኦም።

    (ኣዝማች)

    ንየሆዋ ድለይዎ፡

    ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፣

    ጽድቂ ድለዩ፡

    እሙናት ኩኑ፡

    ኣብ ጐድኒ የሆዋ ቑሙ፡

    ሽዑ’ውን ኬድሕነኩም’ዩ

    በታ ቕልጽሙ።

  2. 2. ብስራት መንግስቲ፡

    ይእወጅ ኣሎ ሎሚ፡

    ኵሎም ደቂ ሰብ ኪሓርዩ፡

    ኪረኽቡ ኣጋጣሚ።

    ’ተ መጸ ፈተና፡

    ኣይንፈርህን ኢና፣

    የሆዋ ’ንድዩ ሓላው ነፍስና፣

    ይሰምዕ’ዩ ኣውያትና።

    (ኣዝማች)

    ንየሆዋ ድለይዎ፡

    ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፣

    ጽድቂ ድለዩ፡

    እሙናት ኩኑ፡

    ኣብ ጐድኒ የሆዋ ቑሙ፡

    ሽዑ’ውን ኬድሕነኩም’ዩ

    በታ ቕልጽሙ።