ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 131

“ኣምላኽ ዝጸመዶ”

“ኣምላኽ ዝጸመዶ”

(ማቴዎስ 19:5, 6)

  1. 1. ቅዱስ’ዩ መውስቦ፡

    ብሰለስተ ጥሙር፣

    ፈጣሪናን ሰባትን፡

    ኰይኖምዎ ምስክር።

    (ኣዝማች 1)

    ቃል ኣትዩ ንኼርእያ፡

    ፍቕሪ ዀነ ሓልዮ፣

    ‘ኣምላኽ ንዝጸመዶ፡

    ማንም ኣይፍለዮ።’

  2. 2. ንኺምርሑሉ

    ቃል ኣምላኽ መርሚሮም፣

    በረኸቱ ይደልዩ፡

    ኪፍጽሙ ቓሎም።

    (ኣዝማች 2)

    ቃል ኣትያ ኸተርእዮ፡

    ፍቕሪ ዀነ ሓልዮ፣

    ‘ኣምላኽ ንዝጸመዶ

    ማንም ኣይፍለዮ።’