ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 124

እሙናት ንኹን

እሙናት ንኹን

(መዝሙር 18:25)

  1. 1. እሙናት ’ወ ንየሆዋ፡

    ነቲ ፈቃር ኣቦና፣

    ትእዛዛቱ’ውን ለጊብና፡

    ክንሕሉ ቓል ኣቲና፣

    ምኽሩ ባይታ ዘይወድቕ’ዩ፡

    ኵሉ ሳዕ ዚጠቕመና፣

    ኣይንፈለ ኻብ የሆዋ፡

    ካብቲ እሙን ኣምላኽና።

  2. 2. እሙናት ’ወ ንኣሕዋትና፡

    ብእምነት ቤተ ሰብና፣

    ንሓልየሎም፡ ነፍቅሮም’ውን፡

    ብቓልና፡ ብግብርና።

    ኣትሒትና ኣይንርእዮምን፡

    ነኽብሮም ካብ ልብና፣

    ሓቢርናዮም’ውን ነገልግል፡

    ወትሩ ኸይተፈለና።

  3. 3. እሙናት ’ወ ንሓለውቲ፡

    ንዚመርሑና ኣሕዋት፣

    መምርሒታት ንዚህቡ፡

    ወትሩ ንኹን እዙዛት።

    ሽዑ በረኸት የሆዋ፡

    ከም ርባ ይውሕዘልና፣

    ናይ የሆዋ’ውን ንኸውን፡

    እሙናቱ ’ተ ዄንና።