ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧

እቲ ንህይወት ዝፈጠረ ኣምላኽ ንምዉታት ኬተንስኦም ይኽእል እዩ

የሆዋ ኣምላኽ ምንጪ ህይወት እዩ። (መዝሙር 36:9) እዚ ኣምላኽ እዚ፡ ንምዉታት ኬተንስኦም ከም ዚኽእል ምእማን ርትዓዊዶ ኸይኰነ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ኸምኡ ኺገብር ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ) ከምኡ ዚገብር ግና ስለምንታይ እዩ፧

ፈጣሪና፡ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ዓሊሙ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:31፣ 2:15-17) ሕጂ እውን ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣይተለወጠን። ኣምላኽ፡ ነዚ ሎሚ እነሕልፎ ዘለና ሓሳር ዝመልኦ ሓጺር ዕድመና ኺርኢ ኸሎ ብዙሕ እዩ ዚጕሂ።እዮብ 14:1, 14, 15 ኣንብብ።

እቶም ዚትንስኡ ኣበይ እዮም ኪነብሩ፧

ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ድዩ ፈጢርዎም፧ ኣይፋሉን። ኣምላኽ ንመላእኽቲ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ኺፈጥሮም ከሎ፡ ንደቂ ሰብ ግና ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 1:28፣ እዮብ 38:4, 7) ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ትንሳኤ እስከ ሕሰብ። የሱስ ነዞም ሞይቶም ዝነበሩ ሰባት ኣብ ምድሪ እዩ ኣተንሲእዎም። ብተመሳሳሊ ድማ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ መጻኢ ዚትንስኡ ሰባት፡ ኣብ ምድሪ እዮም ኪነብሩ።ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:44 ኣንብብ።

ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ፡ መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚትንስኡ ሒደት ሰባት ሓርዩ እዩ። (ሉቃስ 12:32፣ 1 ቈረንቶስ 15:49, 50) እዞም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚትንስኡ ሰባት፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺነግሱ እዮም።ራእይ 5:9, 10 ኣንብብ።