ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም”

“ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም”

“ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም”

“ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ።”—ዮሃንስ 8:31, 32

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ “ቃል” የሱስ፡ ነቲ ኻብ ዝለዓለ ምንጪ ዝመጸ ትምህርትታቱ የመልክት። የሱስ፡ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ . . . እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ” በለ። (ዮሃንስ 12:49) ናብቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ ድማ፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። ኪምህር ከሎ ብተደጋጋሚ ኻብ ቃል ኣምላኽ ይጠቅስ ነበረ። (ዮሃንስ 17:17፣ ማቴዎስ 4:4, 7, 10) ስለዚ እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ኣብ ቃሉ ይጸንዑ፡’ ማለት ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከም “ሓቂ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም መመርሒ እምነቶምን ተግባራቶምን ገይሮም ይቕበልዎም እዮም።

ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ብቕዓት እዚ ኣማሊኦምዎ ድዮም፧ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከም የሱስ ንቓል ኣምላኽ የኽብሮ ነይሩ እዩ። “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም እዩ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እቶም ንብጾቶም ክርስትያናት ኪምህሩ እተሸሙ ሰብኡት፡ “በቲ እሙን ቃል ምህሮ” ኺጸንዑ ነበሮም። (ቲቶስ 1:7, 9) ንቐዳሞት ክርስትያናት፡ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” ዚብል ምዕዶ ተዋሂብዎም እዩ።—ቈሎሴ 2:8

ሎሚ ነዚ ኣብነት እዚ ዚስዕብዎ ዘለዉ መን እዮም፧ ብ1965 ብቫቲካን ዝጸደቐ፡ ኣብቲ ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች ዘርእስቱ መወከሲ ድማ እተጠቐሰ ዶግማቲክ ኮንስቲቱሽን ኦን ዲቫይን ረቨለሽን ዚብሃል ቅዋም፡ ከምዚ ይብል፦ “[ካቶሊካዊት] ቤተ ክርስያን ብዛዕባ ዅሉ እተገልጸ ነገራት ብምትእምማን እትቕበሎ ንቕዱሳት ጽሑፋት ጥራይ ኣይኰነትን። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ቕዱስ ልምድን ነቲ ቕዱስ ጽሑፍን ብተኣማንነትን ብኣኽብሮትን ክንቅበሎ ይግባእ።” ሓንቲ ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ እትነብር ኣገልጋሊት ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ኣብ መጽሔት ማክሊን ኣብ ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ሰፊሩ ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “በቲ ኽልተ ሽሕ ዓመት ይገብር እተዘርበ [ዘረባ] ኽንምራሕ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ምስ የሱስን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋትን ከነተኣሳስሮ ኽንጽዕር ከለና እናተዳኸመ ዚኸይድ ናይ ገዛእ ርእስና ዜደንቕ ሓሳባት ኣሎና።”

ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ እንኮ ምንጪ እምነቶምን መምርሒኦምን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ” ይብል። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓደ ኣብ ካናዳ ዚነብር ሰብ፡ ንሓንቲ መንነታ እትገልጸሉ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኵልፍ ኣቢሉ፡ ናብ መጽሓፍ ቅዱሳ እናኣመልከተ፡ “ብኽታምኪ ፈሊጠኪ ኣሎኹ” በላ።