ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመንፈሳውነትካ ዜድሊ ዘበለ ኣማልእ

ንመንፈሳውነትካ ዜድሊ ዘበለ ኣማልእ

ረቛሒ 5

ንመንፈሳውነትካ ዜድሊ ዘበለ ኣማልእ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3 NW።

በዳሂ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ንመንፈሳውነትካ ዜድሊ ነገራት ብዛዕባ እተማልኣሉ መገድታት ንሓድሕዱ ዚጋጮ ትምህርቲ ዚምህራ ብኣሽሓት ዚቝጸራ ሃይማኖታት ኣለዋ። ሓቂ እትምህርን ንኣምላኽ እተሐጕስን ኣየነይቲ ኸም ዝዀነት ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ገሊኦም ምርኡያት ደረስቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማንን ንዕኡ ውፉይ ምዃንን ከም ዕሽነትን ጐዳእን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ማክሊንስ እትበሃል መጽሔት፡ ንኣረኣእያ ሓደ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ምርኡይ ሰብ ከምዚ ዚስዕብ ኢላ ብሕጽር ዝበለ ቓላት ገሊጻቶ ኣላ፦ “ብስነ-ፍልጠትን ብህዋሳትናን ዘይድህሰስ ነገር ከም ዘሎ ጌርካ ዚእመነሉ ክርስትያናዊ ኣምር፡ ነታ ዘላትና እንኮ ህይወት የሕስራ፡ ንዓመጻ ድማ የቃልዓና።”

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዜረጋግጽ መርትዖ መርምር። (ሮሜ 1:20፣ እብራውያን 3:4) ንኣገዳሲ ሕቶታት መልሲ ኻብ ምንዳይ ዋላ ሓደ ኺዓናቕፈካ ኣይተፍቅድ። እቲ ሕቶታት ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ኪኸውን ይኽእል እዩ፦ ስለምንታይ ኢና እንነብር ዘለና፧ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ፧ ብዙሕ መከራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ካባይ እንታይ ብቕዓት እዩ ዚደሊ፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ዜዕግብ መልሲ ምርካብካ፡ ነባሪ ዕግበት ንኽትረክብ ወሳኒ እዩ።

እንተዀነ ግን፡ ካልኦት ዚብሉኻ ኸይመርመርካ ኣይትቀበል። ቃል ኣምላኽ፡ ‘ኣእምሮኻ’ ኽትጥቀመሉን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽትምርምርን እዩ ዜተባብዓካ። (ሮሜ 12:1, 2) ጻዕርኻ ዓስቢ ኺህልዎ እዩ። ግዜ መዲብካ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕን ነቲ ምኽሩ ኣብ ግብሪ ተውዕሎን እንተ ዄንካ፡ ካብ ጸገማት ከተምልጥ ኢኻ፣ ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጭንቀትካ ኺንኪ፡ ሓጐስካ እውን ኪውስኽ እዩ። ነዚ ኽትተኣማመነሉ ትኽእል ኢኻ። እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሚልዮናት ሰባት፡ ብዛዕባ ኣምላኽን መብጽዓታቱን ሓቂ ብምፍላጦም ተጠቒሞም እዮም። ንኣብነት፡ ነቲ ኻብ ገጽ 18 ኽሳብ 21 እዛ መጽሔት እዚኣ ዚርከብ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ኣንብብ።

ካብቲ ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ እናተጠቐምካ ምስ ከድካ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት እናሓየለ ኪኸይድ እዩ። እሞ ደኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ዝቐረበልካ ዕደመ ስለምንታይ ዘይትቕበል፧ ነዚ ዕድመ እዚ እንተ ተቐቢልካዮ፡ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ” ኢሉ ዝጸሓፎ ሓሳብ ከም እትሰማማዕ ኣየጠራጥርን እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:6

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርምር