ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ ከም ዚጸልዉና

መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ ከም ዚጸልዉና

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ ከም ዚጸልዉና

የሱስ፡ “ዓለም ከይተፈጥረት” ምስ ኣቦኡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ይነብር ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 17:5) ስለዚ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪምልሶ ብቑዕ እዩ።

መላእኽቲ ብዛዕባና ይግደሱ ድዮም፧

መላእኽቲ ብዛዕባ ሰባት ኣዝዮም ከም ዚግደሱ፡ ካብ የሱስ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ንሱ፡ “ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ” በለ።—ሉቃስ 15:10

መላእኽቲ ንመንፈሳዊ ድሕንነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከም ዘለዎም፡ የሱስ ገሊጹ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንኻልኦት ከየዐንቅፉ ኼጠንቅቖም ከሎ፡ “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ” ዝበሎም። (ማቴዎስ 18:10) የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ሰዓብቱ ንነፍሲ ወከፎም ዚሕልዎም መልኣኽ ኣለዎም ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ምስ ኣምላኽ ብቐረባ ዚዓዩ መላእኽቲ ብዛዕባ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣዝዮም ከም ዚግደሱ እዩ ዚሕብር ነይሩ።

ድያብሎስ ኪጐድኣና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ሰይጣን፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ንኸይፈልጡ ኸም ዚጽዕር፡ የሱስ ንሰዓብቱ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። “ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርኤ ይምንጥሎ” በለ።—ማቴዎስ 13:19

የሱስ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ግራቱ ስርናይ ዝዘርአ ሰብኣይ ዚገልጽ ምሳሌ ብምንጋር፡ ሰይጣን ንሰባት ዜታልለሉ መገዲ ገሊጹ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ንየሱስ፡ እቲ ስርናይ ከኣ ነቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር፡ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ ጸላኢ መጸ፣ “ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።” እቲ ኽርዳድ፡ ንናይ ሓሶት ክርስትያናት እዩ ዜመልክት። “እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ።” (ማቴዎስ 13:25, 39) ከምቲ ኽርዳድ ምስ ሸዊት ስርናይ ዚመሳሰል፡ እቶም ክርስትያናት ምዃኖም ዚዛረቡ እውን ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ መሲሎም ኪቐርቡ ይኽእሉ እዮም። ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ዚምህራ ሃይማኖታት፡ ሰባት ንኣምላኽ ንኸይእዘዝዎ የታልላኦም እየን። ሰይጣን ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ተጠቒሙ፡ ሰባት ምስ የሆዋ ርክብ ንኸይምስርቱ ይዓግቶም እዩ።

ድያብሎስ ከይጐድኣና ኽንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

የሱስ ንሰይጣን፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 14:30) የሱስ ናብ ኣምላኽ ኣብ ዝጸለየሉ እዋን፡ ካብ ሰይጣን ብኸመይ ክንዕቈብ ከም እንኽእል ገሊጹ ነይሩ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ብዚምልከት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ጸለየ፦ “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ።” (ዮሃንስ 17:15-17) ፍልጠት ቃል ኣምላኽ፡ በታ ሰይጣን ዝገዛኢኣ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ንኸይንጽሎ ኼዕቍበና ይኽእል እዩ።

ሎሚ መላእኽቲ ዚጸልዉና ብኸመይ እዮም፧

የሱስ፡ ኣብ “[“መደምደምታ እቲ ስርዓት፡” NW] . . . መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም” ምዃኖም ገለጸ። (ማቴዎስ 13:49) ሕጂ ኣብ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ኢና እንነብር ዘለና፣ ሚልዮናት ከኣ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:3, 14

ኵሎም እቶም መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ዚጅምሩ ሰባት፡ ሞገስ ኣምላኽ ይረኽቡ እዮም ማለት ኣይኰነን። መላእኽቲ ንዕዮ ኣገልገልቲ የሆዋ ይመርሕዎ ኣለዉ፣ እቶም ንኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘለዎም ሰባት ከኣ፡ ካብቶም ንእተማህርዎ ኣብ ግብሪ ዘየውዕሉ ሰባት ይፍለዩ ኣለዉ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ሞገስ ኣምላኽ ዚረኽቡ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዐቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም” በለ።—ሉቃስ 8:15

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 10 ርአ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

መላእኽቲ ንቕኑዓት ሰባት ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ምእካብ ግደ ኣለዎም