ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽበረና

ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽበረና

ንኣምላኽ ቅረቦ

ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽበረና

2 ነገስት 18:1-7

ወለዲ ንውሉዳቶም ጽቡቕ ኣብነት ኪዀንዎም ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ጽቡቕ ጽልዋ ምስ ዚገብሩሎም ከኣ፡ ውሉዳት ተፈታዊ ባህርያት ኬማዕብሉን ኣብ ህይወቶም ጥበባዊ ምርጫታት ኪገብሩን ይኽእሉ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ሓያሎ ወለዲ ንውሉዳቶም ሕማቕ ኣብነት ይዀንዎም ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዝዓበዩ ውሉዳት ግን ዕዉታት ኪዀኑ ይኽእሉዶ፧ እወ ይኽእሉ እዮም፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ። ነቲ ኣብ 2 ነገስት 18:1-7 ዚርከብ ብዛዕባ ህዝቅያስ ዚገልጽ ጸብጻብ እስከ ንመርምር።

ህዝቅያስ፡ “ወዲ ኣሃዝ፡ ንጉስ ይሁዳ” እዩ ነይሩ። (ቍጽሪ 1) ኣሃዝ ንተገዛእቱ ኻብ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኣርሒቕዎም ነበረ። እዚ እኩይ ንጉስ እዚ፡ ነቲ መስዋእቲ ሰብ እውን ዜጠቓልል ኣምልኾ በዓል የካይድ ነበረ። ካብ ኣሕዋት ህዝቅያስ፡ ንሓደ ወይ ንኽልተ መስዋእቲ ገይርዎም እዩ። ኣሃዝ ንደጌታት ቤተ መቕደስ ከም ዚዕጾ ገይሩ ነበረ፣ “ኣብ ኵሉ መኣዝን የሩሳሌም ከኣ ንርእሱ መሰውኢታት ገበረ።” ስለዚ ኸኣ፡ “ንእግዚኣብሄር . . . ኣቘጥዖ።” (2 ዜና መዋእል 28:3, 24, 25) ኣቦ ህዝቅያስ ሕሱም ምንባሩ እምበኣር ንጹር እዩ። ኰይኑ ግን፡ ህዝቅያስ ንጌጋታት ኣቦኡ ኸይደግም ኪውስን ይኽእልዶ ነይሩ፧

ህዝቅያስ ንጉስ ምስ ኰነ፡ እቲ ናይ ኣቦኡ ሕማቕ ኣብነት ንኺጸልዎ ኸም ዘየፍቅድ ብኡንብኡ ኣርኣየ። “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።” (ቍጽሪ 3) ብየሆዋ ተኣመነ፡ “ኣብ ኵሎም ነገስታት ይሁዳ [ከኣ] ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን።” (ቍጽሪ 5) እዚ መንእሰይ ንጉስ እዚ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት ግዝኣቱ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዚሕግዝ ወፈራ ብምግባር፡ ነቲ ኣምልኾ ኣረማውያን ዚካየደሉ በረኽቲ ኣዕነዎ። ድሕሪኡ፡ እቲ ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ተኸፍተ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸኣ ተመልሰ። (ቍጽሪ 4፣ 2 ዜና መዋእል 29:1-3, 27-31) ህዝቅያስ “ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ . . . እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።”—ቍጽሪ 6, 7

እዚ ንጉስ እዚ፡ በቲ ሕማቕ ኣብነት ኣቦኡ ንኸይጽሎ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ እታ ታሪኻ ብዙሕ ዘይተገልጸ ኣዲኡ ኣብያ፡ ኣወንታዊ ጽልዋ ስለ ዝገበረትሉ ደዀን ይኸውን፧ እቲ፡ ህዝቅያስ ቅድሚ ምውላዱ ናይ ምንባይ ኣገልግሎቱ ዝጀመረ ኢሳይያስ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ስለ ዝገበረሉ ደዀን ይኸውን፧ a መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጽን እዩ። ንህዝቅያስ ጽልዋ ዝገበረሉ ነገር እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ካብ ናይ ኣቦኡ እተፈልየ መገዲ ህይወት ከም ዝሰዓበ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ህዝቅያስ ዝገደፎ ኣብነት፡ ወለዱ ጽቡቕ ኣብነት ንዘይኰንዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዜተባብዕ እዩ። ዝሓለፈ ኪቕየር ኣይክእልን እዩ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመና ሕማቕ ተመክሮ ኽንሓኮ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን፡ ህይወትና ግድን በቲ ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ኣይኰነን ዚውሰን። ሕጂ ብእንገብሮ ምርጫታት ዜሕጕስ መጻኢ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ከም ህዝቅያስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኸነፍቅሮን ከነምልኾን ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርጫ፡ ሕጂ ዜዕግብ ህይወት፡ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬምጽኣልና እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4) እቲ ፈቃር ኣምላኽና ነቲ ኽቡር ውህበት ዝዀነ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ስለ ዘኽበረና ኣየ ኽንደይ ከነመስግን ዘይግብኣና!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኢሳይያስ ካብ ከባቢ 778 ቅ.ክ. ኣትሒዙ ኽሳዕ ድሕሪ 732 ቅ.ክ. እዩ ተነብዩ። ህዝቅያስ ድማ ብ745 ቅ.ክ. ወዲ 25 ምስ ኰነ እዩ ኺገዝእ ጀሚሩ።