ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እዋን ዓጺድ ኣብቲ እስራኤላውያን በዓል ቅጫ ዜብዕሉሉ እዋን ብወግዒ ይጅመር ስለ ዝነበረ: ነቲ በዅሪ ፍርያት ስገም መን ናብቲ መቕደስ የምጽኦ ነበረ፧

እስራኤላውያን ኣብ ሕጊ ሙሴ: “ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት: ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን: ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ” ዚብል መምርሒ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘዳግም 16:16) ካብ ግዜ ንጉስ ሰሎሞን ንደሓር: እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ: ኣምላኽ ዝሓረያ ቦታ ዀነት።

ካብቲ ሰለስተ በዓላት እቲ ቐዳማይ ኣብ መጀመርታ ጽድያ እዩ ዚበዓል ነይሩ። እዚ በዓል እዚ: በዓል ቅጫ ተባሂሉ ዚፍለጥ ኰይኑ: ካብ ጽባሕ እታ ብ14 ኒሳን እትበዓል ፋስጋ ጀሚሩ ንሸውዓተ መዓልቲ ኽሳዕ 21 ኒሳን ዚቕጽል ነበረ። እታ እቲ በዓል ዚበዓለላ ኻልአይቲ መዓልቲ: ማለት 16 ኒሳን: ብመሰረት እቲ ቕዱስ ዓውደ-ኣዋርሕ: ቀዳማይ ዓጺድ እቲ ዓመት ዚጅምረላ ግዜ እያ ነይራ። በታ መዓልቲ እቲኣ: እቲ ሊቀ ኻህናት ‘ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድ ሓንቲ እንዳእቲ’ ዓጺድ ስገም ወሲዱ: ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይውዝውዛ’ ነበረ። (ዘሌዋውያን 23:5-12) ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ኣብ በዓል ቅጫ ኺእከቡ ስለ ዝነበሮም: ነቲ ዓጺድ መን ይገብሮ ነበረ፧

በዓል ቅጫ ኣብ ዚበዓለሉ እዋን በዅሪ ዓጺድ ንየሆዋ ንምቕራብ ዚእዝዝ ሕጊ: ብደረጃ ህዝቢ እዩ ተዋሂቡ። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ዓጺድ ኪጅምርን በዅሪ ዓጺድ ናብ ቤተ መቕደስ ኬምጽእን ኣይሕተትን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ህዝቢ ብተወከልቲ ገይሩ ኸምኡ ኺገብር እዩ ተኣዚዙ። ስለዚ: ንተወከልቲ ናብቲ ኣብ ቀረባ ዚርከብ ግራት ስገም ብምልኣኽ እዩ ንበዓል ቅጫ ዚኸውን እንዳእቲ ዚዕጸድ ዝነበረ። ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ኪህብ ከሎ: “እቲ ስገም እንተ በሲሉ: ካብ ጥቓ የሩሳሌም ይውሰድ ነበረ፣ እንተ ዘይኰይኑ ግን ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ እስራኤል ዚርከብ ቦታ ይውሰድ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ማዕጺድን ዘንቢልን ዝሓዙ ሰለስተ ሰብኡት ይዓጽድዎ ነበሩ” ይብል። ድሕሪኡ ሓንቲ እንዳእቲ ስገም ነቲ ሊቀ ኻህናት ትወሃቦ: ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርባ።

እስራኤላውያን በዅሪ ዓጺዶም ንኬቕርቡ እተዋህቦም መምርሒ: ነቲ ኣምላኽ ንመሬቶምን ምህርቶምን ብምብራኽ ዝገበረሎም ነገር ሞሳኦም ዚገልጹሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 8:6-10) ልዕሊ ዅሉ ግን: እቲ ጽምብል: “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” እዩ ነይሩ። (እብራውያን 10:1) የሱስ ክርስቶስ ብ16 ኒሳን 33 ድ.ክ.: ማለት በታ በዅሪ ዓጺድ ንየሆዋ ዚቐርበላ መዓልቲ ምትንሳኡ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ክርስቶስ: በዅሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ: ካብ ምዉታት ተንስኤ። . . . ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፣ ክርስቶስ ከም በዅሪ: ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ።” (1 ቈረንቶስ 15:20-23) እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚውዝውዞ ዝነበረ እንዳእቲ በዅሪ ፍርያት: ነቲ ኻብ ሞት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምትንሳእ ናይ መጀመርታ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ጽላሎት ዚኸውን ነበረ። በዚ ኸምዚ የሱስ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዚዀኑሉ መገዲ ኸፈተ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© 2003 BiblePlaces.com