ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታውያን ጸሓፍትን ቃል ኣምላኽን

ጥንታውያን ጸሓፍትን ቃል ኣምላኽን

ጥንታውያን ጸሓፍትን ቃል ኣምላኽን

ዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ መወዳእታ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ተዛዚሙ ነይሩ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዘመናት: ምሁራት ኣይሁድ: ምናዳ ኸኣ ፈለማ ሶፈሪም: ጸኒሖም ማሶራውያን: ጥንቁቓት ዓቀብቲ ጽሑፋት እብራይስጢ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ይኹን እምበር: እቲ ጥንታዊ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ሶፈሪም ዝነበሩሉ ሓደ ሽሕ ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ: ብመዓልትታት ሙሴን እያሱን ዝነበረ እዩ። እቲ እተጻሕፈሉ ነገራት ድማ ዚበላሾ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ እቲ ጥቕላላት ብዙሕ ሳዕ ተቐዲሑ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ጥንቲ ዝነበረ ሞያ ጸሓፍቲ እንታይ እንፈልጦ ነገራት ኣሎ፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ክኢላታት ቀዳሕቲ ነይሮም ድዮም፧

ካብቲ ኽሳዕ ሕጂ እተረኽበ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ: ክፋል እቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ እዩ። ገለ ኻብዚ ኣብ ሳልሳይን ካልኣይን ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ እዩ። ፕሮፌሰር ኣለን ሚለርድ ዚበሃል ንቛንቋታትን ንስነ-ጥንትን ቀረባ ምብራቕ ዜጽንዕ ምሁር: “ቅድሚኡ ዝነበረ ቕዳሓት ዝዀነ ይኹን ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ: “ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ባህልታት: ጥንታውያን ጸሓፍቲ ብኸመይ ከም ዝዓየዩ ኺሕብረና ይኽእል: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ከኣ ንጽሑፋት እብራይስጥን ንታሪኹን ንኽንግምግም ይሕግዘና” በለ።

ጥንታዊ ሞያ ጸሓፍቲ

ኣርባዕተ ሽሕ ዓመት ይገብር ኣብ መሶጶታምያ ታሪኻዊ: ሃይማኖታዊ: ሕጋዊ: ትምህርታዊ: ከምኡውን ድርሰታዊ ጽሑፋት ይዳሎ ነበረ። ኣብያተ-ትምህርቲ ጸሓፍቲ ኣስፋሕፊሑ ነበረ: ሓደ ኻብቲ ዚምህርዎ ዝነበሩ ዓይነት ትምህርቲ ኸኣ ነቲ ዝነበረ ጽሑፋት ብተኣማንነት ምቕዳሕ ዚብል ነበረ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ምሁራት ኣብቲ ንሓደ ሽሕ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚኸውን ዓመታት ብተደጋጋሚ እተቐድሐ ጽሑፋት ባቢሎን ሒደት ለውጥታት ጥራይ እዮም ዚረኽቡ።

እቲ ሞያ ጸሓፍቲ ኣብ መሶጶታምያ ጥራይ እተደረተ ኣይነበረን። ዘ ኦክስፎርድ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣርክዮሎጂ ኢን ዘ ኒያር ኢስት: “ኣብ መፋርቕ ካልኣይ መዋእለ ሽሕ ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ባቢሎናዊ ጸሓፊ: እቲ ኣብ መሶጶታምያ: ሶርያ: ከነኣን: ዋላ እውን እቲ ኣብ ግብጺ ዚርከብ ማእከላት ጸሓፍቲ ዚጥቀሙሉ ኣሰራርሓ ሓድሽ ኣይምዀኖን ነይሩ” ይብል። a

እቶም ሞያተኛታት ጸሓፍቲ ብግዜ ሙሴ ኣብ ግብጺ ኽብ ዝበለ ቦታ ነበሮም። ወትሩ ስነ-ጽሑፋት ይቐድሑ ነበሩ። እዚ ንጥፈታት እዚ ኣብቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ዓመት ዝገበረ ኣብ መቓብር ግብጻውያን ዚርከብ ስልማታት ይርአ እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መዝገበ-ፍልጠት ብዛዕባ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ጥንታውያን ጸሓፍቲ ኸምዚ ይብል:- “ክሳዕ ካልኣይ መዋእለ ሽሕ ቅ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን: ነቲ ጥንታዊ ስልጣነ መሶጶታምያን ግብጽን ዜርኢ ብዙሕ ጽሑፋት ኣኪቦም ነበሩ: ንሞያ ጸሓፊ ዚኸውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ድማ መስሪቶም ነበሩ።”

እዚ “ስነ-ምግባራዊ ስርዓት” እዚ ኣብ መወዳእታ እቲ ቐንዲ ጽሑፍ ዚውሰኽ ሓበሬታ ዘጠቓለለ ነበረ። እዚ ሓበሬታ እዚ ስማት እቶም ጸሓፍቲ: ወናኒ እቲ ጽላት: ዕለት: ምንጪ እቲ ጽላት እተቐድሓሉ በዅሪ ጽሑፍ: ቍጽሪ መስመራት: ከምኡውን ካልእ ነገራት ዘጠቓለለ ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸሓፊ: “ብመሰረት እቲ በዅሪ ጽሑፍ: ተጻሒፉን ተነጻጺሩን” ዚብል ይውስኸሉ ነበረ። እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እዚ እቶም ጥንታውያን ቀዳሕቲ ብዛዕባ ልክዕነት ብዙሕ ከም ዚግደሱ ይሕብር።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፕሮፌሰር ሚለርድ ከምዚ በለ:- “መስርሕ ምቕዳሕ ኪበሃል ከሎ ጌጋታት ንምውጋድ ተባሂሉ ምንጽጻርን ምእራምን የጠቓልል ከም ዝነበረ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። ገለ ኻብዚ መስርሓት: ብፍላይ ከኣ መስመራት ወይ ቃላት ምቝጻር: ኣብ ልምድታት እቶም ኣብ ፈለማ ማእከላይ ዘመን ዝነበሩ ማሶራውያን ነይሩ እዩ።” ስለዚ: ብግዜ ሙሴን እያሱን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽሑፋት ኪመሓላለፍ ከሎ ጥንቃቐ ኺግበርን ልክዕነቱ ኺሕሎን ዜኽእል ኣረኣእያ ነይሩ እዩ።

እስራኤላውያንከ ብቑዓት ቀዳሕቲ ነይሮምዎምዶ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ውሽጣዊ መርትዖ እንታይ ይሕብር፧

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ጸሓፍቲ

ሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን እዩ ዓብዩ። (ዘጸኣት 2:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:21, 22) ብመሰረት እቶም ብዛዕባ ጥንታዊ ግብጺ ዜጽንዑ ሰባት: ሙሴ እተማህሮ ትምህርቲ: ጽሑፋት ግብጻውያን ምምላኽን እንተ ወሓደ ገለ ኽእለታት ጸሓፍቲ ምጥራይን ዜጠቓልል ነበረ። ፕሮፌሰር ጄምስ ሆፍማየር ኣብታ ኢዝራኤል ኢን ኢጅፕት ዘርእስታ መጽሓፉ: “ነቲ ሙሴ ፍጻመታት ኪምዝግብ: ጕዕዞታት ኪጽሕፍ: ከምኡውን ካልእ ንጥፈታት ጸሓፍቲ ኺሰርሕ ክእለት ከም ዝነበሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ እንረኽቦ ሓሳብ ንኽንኣምኖ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና” በለ። b

መጽሓፍ ቅዱስ ካልኦት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ሰባት እውን ክኢላታት ጸሓፍቲ ምንባሮም ይጠቅስ እዩ። ብመሰረት ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል: ሙሴ “ውሳነታትን ስርዒታትን ንምምዝጋብ ኪጽሕፉን ኬንብቡን ዚኽእሉ መኳንንቲ . . . ሾመ” ይብል። እዚ መደምደምታ እዚ ኣብቲ “ሽዑ [ሙሴ] ሓላቑ ነገዳትኩም: ጠቢባንን እተፈልጡን ሰባት ወሲደ: ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ነገዳትኩም መኳንንቲ: ኣብ ልዕሌኹም ሓላቑ ገበርክዎም” ዚብል ኣብ ዘዳግም 1:15 ዚርከብ ሓሳብ እተመርኰስ እዩ። እዞም መኳንንቲ እዚኣቶም መን እዮም፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ሙሴን እያሱን ዝነበሩሉ ግዜ: “መኰንን” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል ብተደጋጋሚ ተጻሒፋ ኣላ። እተፈላለዩ ምሁራት: እዛ ቓል እዚኣ “ዚምዝግብ ጸሓፊ” “‘ዚጽሕፍ’ ወይ ‘ዚምዝግብ:’” ከምኡውን “ንዳኛ ኸም ጸሓፊ ዀይኑ ዜገልግሎ ብዓል መዚ” ማለት ምዃና ይገልጹ እዮም። እዛ ናይ እብራይስጢ ቓል ብብዝሒ ተደጋጊማ እትርከብ ምዃና: ኣብ እስራኤል ብዙሓት ጸሓፍቲ ኸም ዝነበሩን ነቲ ህዝቢ ኣብ ምምሕዳር ሓያሎ ሓላፍነት ከም ዝነበሮምን ይሕብር።

እቲ ሳልሳይ ኣብነት ንእስራኤላውያን ካህናት ዚምልከት እዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ “ሃይማኖታውን ዓለማውን ዕዮኦም ኬንብቡ ዀነ ኺጽሕፉ ዚኽእሉ ኪዀኑ ዚጠልብ ነበረ” ይብል። ንኣብነት: ሙሴ ንደቂ ሌዊ “ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት: . . . ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ኣንብቦ” ዚብል ትእዛዝ ሃቦም። እቶም ካህናት ሓለውቲ እቲ ወግዓዊ ቕዳሕ እቲ ሕጊ ዀኑ። ካብኡ ጽሑፋት ኪቕዳሕ የፍቅዱን ይቈጻጸሩን ነበሩ።—ዘዳግም 17:18, 19፣ 31:10, 11

እቲ ቐዳማይ ቅዳሕ እቲ ሕጊ ብኸመይ ከም እተጻሕፈ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ሙሴ ኣብታ ብህይወት ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ወርሒ ንእስራኤላውያን: “ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበካ ምድሪ በታ ንዮርዳኖስ እተሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ንኣኻ ኣቝም እሞ: ብኖራ ለቕልቆ። . . . ኣብኡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ዅሉ ቓላት ጽሐፍ” በሎም። (ዘዳግም 27:1-4) ያሪኮን ዓይን ምስ ጠፍኣ: እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ ማእከል እታ ምድሪ ተስፋ ዚርከብ ከረን ዔባል ተኣከቡ። ኣብኡ ኸኣ እያሱ ኣብቲ ኣእማን መሰውኢ ቕዳሕ እቲ ‘ሙሴ ዝጸሓፎ ሕጊ’ ጸሓፈ። (እያሱ 8:30-32) ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ: ጸሓፍትን ኣንበብትን የድልዮ ነበረ። እዚ ኸኣ ጥንታውያን እስራኤላውያን ነቲ ቕዱስ ጽሑፋቶም ብልክዕ ንምዕቃብ ዜድልዮም ብቕዓትን ክእለትን ከም ዝነበሮም ዚሕብር እዩ።

ልክዕነት ቅዱሳት ጽሑፋት

ድሕሪ መዓልትታት ሙሴን እያሱን: እተፈላለየ ኻልእ ጥቕላላት እብራይስጢ ተዳልዩ እዩ። እቲ መጻሕፍቲ እቲ ድማ ብኢድ እዩ ተቐዲሑ። እቲ ቕዳሓት ምስ ኣረገ ወይ ከኣ ብራህዲ ወይ ብሰበባ ምስ ተበላሸወ: ኪትካእ ነበሮ። እዚ መስርሕ ምቕዳሕ ጽሑፋት ንዘመናት ቀጸለ።

ቀዳሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቃቐ እኳ እንተ ገበሩ: ገለ ጌጋታት ኣትዩ እዩ። እቶም ቀዳሕቲ ዝገበርዎ ጌጋታት ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ለውጢ ገይሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ: ብመሰረት እቲ ሓያስያን ዝገበርዎ ምንጽጻር ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት: እቲ እተረኽበ ጌጋታት ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን: ኣብ ሓፈሻዊ ልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ጽልዋ የብሉን።

ክርስትያናት ዘበሉ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ጥንታዊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ: ንልክዕነት ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዜረጋግጽ ገይሮም እዮም ዚወስድዎ። እቲ የሱስ እተዛረቦ “ኣብ መጽሓፍ ሙሴ . . . ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧” ከምኡውን “ሙሴዶ ሕጊ ኣይሀበኩምን እዩ፧” ዚብል ቃላት: ነቲ ንሱ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብኢድ እተጻሕፈ ቕዳሓት ዜተኣማምን ገይሩ ኸም ዝረኣዮ ይሕብር። (ማርቆስ 12:26፣ ዮሃንስ 7:19) ብዘይካዚ: “ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ንልክዕነት ምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዜረጋግጽ እዩ።—ሉቃስ 24:44

ስለዚ: ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ብልክዕ ከም እተመሓላለፈ ንኽንተኣማመን እኹል ምኽንያት ኣሎና። ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝበሎ እዩ:- “ሳዕሪ ይነቅጽ: ዕምባባ ይቕምስል: ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—ኢሳይያስ 40:8

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ኣብ መፋርቕ ካልኣይ መዋእለ ሽሕ ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ እያሱ: ቅርያት-ሴፈር እትበሃል ከነኣናዊት ከተማ ጠቒሱ ኣሎ፣ ትርጕም ስማ “ከተማ መጽሓፍ” ወይ “ከተማ ጸሓፊ” ማለት እዩ።—እያሱ 15:15, 16

b ሙሴ ሕጋዊ ጕዳያት ከም ዝመዝገበ ዚገልጽ ሓበሬታ ኣብ ዘጸኣት 24:4, 7፣ 34:27, 28፣ ዘዳግም 31:24-26 ኪርከብ ይከኣል። መዝሙር ከም ዝጸሓፈ ኣብ ዘዳግም 31:22: ኣብ በረኻ ዝገበርዎ ጕዕዞ ኸም ዝመዝገበ ኸኣ ኣብ ዘሁልቍ 33:2 ይርከብ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ግብጻዊ ጸሓፊ ኺዓዪ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ጥንታዊ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብግዜ ሙሴ ተጻሒፉ